Sunday, April 14, 2013

ነበራይ ከተማ ሽረን ከባቢኡን ዝካየድ ዘሎ መረፃ ቅኑዕ ስለዘይኮነ ኣይንመርፅን ብምባሉ ብካድረታት ወያነ ይእሰር ከም ዘሎ ካብታ ከተማ ዝበፅሓና ሓበሬታ ኣመልኪቱ፣



ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ከተማ ሽረ ጀሚርካ ክሳብ ሸራሮ ዘሎ ህዝቢ  ብግልፂ ኣይንመርፅን ብምባሎምን ናይ መምረፂ ካርድ ንዘይነበሮም ዜጋታት  ካርዲ መረፃ ጠፊኡና  በሉ  ብምባል ቅድም ክብል ንዘይወሰድዎን ዘይጠቕሞምን ካርድ ክሕዙ ብምግባር ብሓይሊ ክመርፁ ከም ዝተገደዱ ካብ ከተማ ሽረን ከባቢኣን ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣረዲኡ።።

 ኣይወሰድናን ኣይጠፈአናን ኣይንመርፅን ንዝበሉ ዜጋታት ብፖሊስን ምልሻን እናኣከቡ ይኣስርዎን ከምዘለው ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ። ኣብ ከባቢ ሰለኽለኻ’ውን ካድረታት ወያነ-ማሌሊት ነቲ ትሑት መነባብሮ ዘለዎም ስድራ ስርናይ ክትዋሃቡ ኢኹም ብምባል  ነቲ ስርዓት ክምርፁ ክገብሩ ከም ዝወዓሉ ተፈሊጡ።።

    ብተመሳሳሊ ነበርቲ ወረዳ ወልቃይት ጣብያ ማይ ጋባ  ብተደጋጋሚ ብሕፅረት ዝስተ ፅሩይ ማይ ንሕማም ብምቅልዑ ፀገሙ ክፍታሓሉ  ንዝምልከቶም ኣካላት ጥርዓን ከቕርቡ ፀኒሖም ክሳብ ሎሚ ሰማዒ ክረኽቡ ከም ዘይከኣሉ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ።  በዚ ዝተቖጠዐ ነባራይ እዛ ወረዳ ዝኾነ ህዝቢ ፀገምና ክፈትሓልና ዘይከኣለ ስርዓት ኣይንመርፅን ክብል ብ5 ሚያዚያ 2005 ብምቅዋሙ ነቲ ነገር ንምዝሕሓልን ተፅዕኖ ንምግባርን ካብ ክልል ላዕለዎት ሰበስልጣን ወያነ  ናብቲ ወረዳ ከይዶም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ከቢድ ፀቕጢ የዉርዱ ከም ዘለዉ ንምፍላጥ ተካኢሉ።።