Friday, April 19, 2013

ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ኣዊ፤ ወረዳ ጃዊ ኣብ ዝርከባ ዝተፈላለዩ ቀበሌታት ዝተኻየዱ ናይ መማልኢ መረፃታት ነባሪ ህዝቢ ዘይተኻፈለ እንትኾን። እቶም ዝተወሰኑ ዝወፁ መረፅቲ ድማ ብፖሊስ ድብደባን ካብ መንበሪ ገዝኦም እናተጎተቱ ተገዲዶም ክመርፁ ዝተገብሩ ምዃኖም ተፈሊጡ፣



ኣብ ቃቲ-ዘረገነት ቀበሌ 01 ህዝቢ ብኣስገዳድ ክወፅእ ካብ ዝገበሩ ዕሱባት ካድረታት ገሊኦም ንምጥቃስ።-   
            1/ ኣቶ ኣወቀ ሞላ
            2/ ኣቶ ሞትባይኖር ትንሻው
            3/ ኣቶ ኣዳነ ክንፈን ምስ ካልኦት ብርክት ዝበሉ ካድረታትን ፖሊሳትን ተሓባቢሮም ህዝቢ ካብ መነበሪኡ ኣገዲዶም ከዉፅእዎ ከም ዝዋዓሉ ካብ’ቲ ቦታ ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣረዲኡ፣

 መላእ ነበሪ ህዝቢ እቲ ከባብ ንምረፃ ክወፃሉ ዘይከኣለ ምኽንያት እንትገልፅ። ዝኾነ ተወዳዳሪ ኣብ ዘይብሉ መረፃ ከመይ ጌርና ንመርፅ? ንሕና ክንመርፅ ኣይንኽእልን ብምባሎም ንህዝቢ ኣለዓዕልኩም ተባሂሎም ካብ ዝተኣሰሩ ሰባት።-
1. የሴፍ ግጃ
2. መምህር ሚልኪያስ ፓስታ
3. ኣዳነ ካሳ
4. ጨንቃኖ ኣያና
5. ኢልያስ ኣርባስ
6. በቀለ ካሳ
7. ማቴዌስ ዱማ
8. በርሲሳ ባርሳ
9. ታደሰ ሻራ እንትኮኑ። እዞም ሰባት ህዝቢ ዘለዎ ሕጋዊ መሰል ተጠቕሙ ኣይንመርፅ ብምባሉ ከም ሓደ ገበን ብምቑፃር። ምንም ዝፈፀምዎ ገበን ብዘይብሎም ተኣሲሮም ይሳቐዩ ከም ዘለዉ ካብቲ ሓበሬታ ንምርዳእ ተኻኢሉ፣
  ካብ ክልል ኣምሓራ ከይወፃእና ኣብ ዞባ ምዕራብ ጎጃም ወረዳታት ወንበርማ፤ ቡሬን ፍኖተ-ሰላምን ዝተኻየደ ናይ መማልኢ መረፃ መላእ ሕብረትሰብ እቲ ከባቢ ኣይንመርፅን ብምባል ካብ’ቲ መረፃ ከም ዘግለለ ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣
  ምኽንያት ዘይመምረፅኡ ገለ ገለ ነበርቲ ንምጭታት ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ። ምስቲ ልዕሊ ኢሉ ዝተጠቐሰ ምኽንያት ተመሳሳሊ ኮይኑ። ኣብዚ ምስሉ መረፃ ተወዳዳሪ ዘይብሉ ግዜና ኣይነጥፍእን  ንመን ካብ መን ኢና ክንመርፅ? ብምባል ህዝቢ ካብቲ መረፃ ከም ዘብኮረ ተፈሊጡ፣