Friday, April 19, 2013

ኣብ ልምዓት ጉጅለ ዘይተጠርነፈ ሰብ። ጠለባት ማሕበራዊ መነባብሮ ኣይዋሃብን ስለ ዝተባህለ። ነባሪ ህዝቢ ከተማ ሽረ-እንዳስላሰ ኣብ ፀገም ወዲቑ ከም ዝርከብ ተፈሊጡ፣



ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ከተማ ሽረ-እንዳስላሰ ዝርከቡ ኣመሓደርቲ ስርዓት ወያነ። ኩሎም መሰረታዊ ጠለባት ሕብረትሰብ ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ኮይኑ ክከፋፈል  ስለ ዝገበርዎ ነቲ ጠለባት ክወስድ ዝደሊ ሰብ ድማ ኣብ ትሕቲ ልምዓት ጉጅለ ዝተሰየመ መቆፃፀሪ ሜላ እቲ ስርዓት ዘይተጠርነፈ ዝኾነ ይኹን ነባሪ ኣይዋሃብን ስለ ዝተባሃለ ህዝቢ ከተማ ሽረ ኣብ ፀገም ወዲቑ ከም ዘሎ ተሓቢሩ፣

   ኣብ ስልጣን ዝርከብ ስርዓት ወያነ ኢህወዴግ ምስ ህዝቢ ከተማ ሽረ-እንዳስላሰ ዘለዎ ርክብ ከብድን ሕቖን ኮይኑ ኣብ ዝርከብሉ ግዜ ከም’ዚ ዓይነት መቆፃፀሪ ሜላ ምዉፅኡ ምስ ባህሪ እቲ ስርዓት ዘገርም እኳ እንተዘይኮነ። ህዝቢ ከም ህዝቢ ብኸብዱ ሕዚካ ክተማሓድሮ ምፍታን ግና ኣዚዩ ዘሕዝን ናይ መበል 21 ክፍለ ዘመን ፍሹል ኣካይዳ ወያነ እዩ ዝበለ እቲ ሓበሬታ። እዚ ድማ ንግዝኡ መዉዓሊ መሕደሪ እንተዘይ ኮይኑ ፅባሕ ንጉሆ መፃወድያ ኮይኑ ዕርበቶም ዘቃላጥፍ ባዕሎም ዝፀርግዎ ዘለዉ ናይ ዉድቀት መንገዲ ምዃኑ ኣረዲኡ፣

   ህዝቢ ከተማ ሽረ-እንዳስላሰ ዝሓለፈ ሰንበት ኣብ ዝተኻየደ ምስሉይ መረፃ መን ካብ መን ክንመርፅ ኢኹም ምረፁ ትብሉና ዘለኹም? ብምባል ብዘይምምራፁ ስዒቡ ዝተቖጥዑ ሰበ ስልጣንን ኮራኹርን እቲ ስርዓት። ነዚ ሕንገዳ ህዝቢ ንምቁፅፃር ዝኾነ ይኹን ንዕለታዊ ምግቢ ዘገልግል ጠለብ ካብ መንግስታዊ መከፋፈሊ ወፃኢ ብዝኾነ ነጋዳይ ኣብታ ከተማ ከይሽየጥ ኣጊዶም። ኣብ’ተን ብናይ ባዕሎም ኣሰያይማ “ልምዓት ጉጅለ” ዝብልወን ናይ ጥፍኣት ጉጅለ ክጥርነፍ። ኣይጥርነፍን! ዝበለ ሰብ ድማ ብጥሜት ኣሳቕዮም ከበርክኽዎ ዘሃቀንዎ ዘይሓላፍነታዊ ተግባር ምዃኑ እቲ ሓበሬታ ኣብ መወዳእታ ኣገንዚቡ፣