Monday, April 22, 2013

ኣብ ሃገርና ኢትዮጵያ ህፃናት ናብ ወፃኢ ኣሕሊፍካ ምሻጥ በቲ ስርዓት ከም ሓደ ሕጋዊ መስርሕ ሙሉእ ድጋፍ ተዋሂብዎ ይቕፅል ምህላዉ ተገሊፁ፣



እዞም ብሽም ጉዲፈቻ ኢትዮጵያውያን ህፃናት ኣሕሊፎም ኣብ ምሻጥ ካብ ዝርከቡ ትካላት “ኣዶ ዓለም ወለዶም ዝሰኣኑ ህፃናት” እናተብሃለ ዝፅዋዕ ትካል እንትኾን። ኣብዚ ኣፀያፊ ዝኾነ ስራሕ ብቐንዱ ብኢድ ኣእታዉነት ሰበ ስልጣን ወያነ ከም ዝምእዘን ተፈሊጡ፣
     እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ሰራሕተኛታት ናይዚ ትካል ብስውር ለይቲ ብምንቅስቓስ ደቂ ድኻታትን ወለዶም ዝሰኣኑ ህፃናትን ብምንዳይ ኣብዚ ዘይሓላፍነታዊ ስራሕ ምስ ዝተዋፈሩ ትካላትን ዉልቀሰባትን ወፃኢ ብምሽራኽ። መንነቶም ዘይፈልጡ ዜጋታት ኣብ ምብራስ ህፃውንቲ ከም ዝርከቡ ዝተፈላልያ ማዕኸናት ገሊፀን፣
    ነዚ ዘስደምም ፍፃመ ዘተግብሩ ዘለዉ ትካላት ኣመልኪቱ ናይ  ኢትዮጵያ ትካል ተማጓቲ ሰብኣዊ መሰል ኣብ ዘዉፅኦ ተደጋጋሚ መግለፂ ዝኾነኖ እንትኾን። ብፍላይ ድማ ኣብ ነርወይ ዝርከብ ብሎምበርግ ዝተብሃለ ትካልን ኣብ ኣውስትራልያ ዝፍኖ መንግስታዊ ዝኾነ ኤቢሲ ኒዉስ ዝተብሃለ ሚድያን። ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ዝኽተልዎ ዘለዉ እንታይነቶም ዘይፈልጡ ህፃናት ምሻጥ እኩይ ተግባሮምን ፀረ ሰብኣዊ መሰል ኣካይድኦምን ብምቅላዕ። ኣብ ዝኾነ እዋን ዘሕትቶም ምዃኑ ፈሊጦም ቅድሚ ዝኾነ ይኹን ደው ከብልዎ ዘጠንቀቑ እንትኾኑ። ነቲ ብተኸታታሊ ዝቐርበሎም ዘሎ ፃዉዒት ዘይተቐበልዎ መራሕቲ ስርዓት ወያነ። ኣብ’ዚ ሕዚ እዋን ብዝኸፈአ መልክዑ ይቕፅልሉ ከም ዘለዉ እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣመልኪቱ፣