Monday, April 22, 2013

ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ ዝነብሩ ኢትዮጵያውያን ተወለድቲ ትግራይ ብትእዛዝ መራሕቲ ወያነ ዝፍፀም ዘሎ ግፍዕታት ብምቅዋም ናይ ሓባር መግለፂ ኣውፂኦም፣



ቅድም ክብል ብሽምን ደምን ህዝቢ ትግራይ ክሽቅጥ ዝፀነሐ ጉጅለ ወያነ  ሎሚ’ዉን በቲ ልሙድ ባህሪኡ ኣብ ልዕሊ ኣሕዋት ዝኾኑ ተወለድቲ ካልኦት ክልላት ኢትዮጵያ ዘካይዶ ዘሎ ጭካነ ዝተመልኦ ኣረመንያዊ ግፍዕታት ከም ዘሕዘኖም ድሕሪ ምግላፅ። ጉጅለ ወያነ ኢ.ህ.ወ.ዴ.ግ  ኣብ ሃገርና  ዝእጉድዎ ዘለው ናይ ጥፍኣት ስጉምቲ ደው ከብልዎ ከም ዝግባእ ኣብ’ቲ ዘውፅእዎ መግለፂ ኣፍሊጦም፣
 ኣስዕቦም ኣብቲ መግለፂ። ብተኸታታሊ ኣብ ልዕሊ ብኣሻሓት ዝቑፀሩ ተወለድቲ ኣምሓራ እናፈናቐልካ። ህዝቢ ከም ህዝቢ ካብ ገዝኡ ኣባሪርካ ኣብ ማእኸል ሜዳ ንፀሓይን ቁርን ናይ ምድርባይ ስጉምቲ። ካብ ሓደ ኢትዮጵያዊ‘የ ካብ ዝብል መራሒ ይትረፍ። ካብ ሓደ ወራርን ባዕዳዊ ሓይልን ዘይፍፀም ተራእዩ ዘይፈልጥ  ኢ-ሰብኣዊ ተግባር እዩ ብምባል ነቲ ፍፃመ ኮኒኖሞ፣
   ኣብ መወዳእታ እቲ መግለፂ ስርዓት ወያነ ዝኽተሎ ዘሎ ስጉምቲ ኢትዮጵያዊ ስነ-ምግባር ዘጥፈአ። ዜግነታዊ መሰል ህዝብታት ዝጥሕስን ዓለም ለኸ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ ፍጡር ዝፃረርን ተግባር ስለ ዝኾነ። ኣብ’ዚ ገበን ዝተሳተፉ ጉጅለ መራሕቲ  ወያነ ኩሎም ናብ ዓለም ለኸ መጋባእያ ቀሪቦም ግቡእ ቅፅዓት ክረኽቡ ይግባእ ብምባል። ናብ  ዝተፈላለዩ ነቲ ጉዳይ ይምልከቶም ዝተብሃሉ ትካላት፤ ማሕበራትን ተሰማዕነት ዘለዎም ናይ ዓበይቲ ሃገራት መንግስታዊ መዋቕራትን ብቕዳሕ ከም ዘፍለጡ እቲ ሓበሬታ ኣረዲኡ፣