Friday, April 19, 2013

ሰራሕተኛታት ጥዕና ወረዳ ሳዕስዕ-ፃዕዳእምባ፤ ጣብያ ቀለበስ ብሕፅረት መሳርሒ ሕክምና፤ ማይን መብራህትን ኣገልግሎት መወላዳን ክህቡ ከም ዘይካኣሉ ገሊፆም፣



መንግስቲ ወገሐ ፀብሐ በተን ባዕሉ ዝዉንነን መደናገርቲ ሚድያታቱ “ኣደ ህይወት እናሃበት ህይወታ ክትስእን የብላን” ዝብል እኳ እንተኾነ። ካብ ዕዳጋ ሓሙስ ከባቢ ዓሰርተ ኪሎ ሜትር ሪሒቓ ኣብ እትርከብ ጣብያ ቀለበስ ዝርከብ ጣብያ ጥዕና ዘሎ ሓቂ ግና ብግልባጡ ኮይኑ። ኣዴታት ኣብ ሕርስን ጥንስን ሓገዝ ሰብ ሞያ ንምርካብ ኣብ ዝኸዳሉ ዘድሊ መሳርሒ ብዘይምህላዉ ብዘየድሊ ግዝያዊ መሳርሒ ተጠቕሞም ሓራሳት የሕርሱ ከም ዘለዉ። እቶም ኣብታ ጣብያ ጥዕና ዝርከቡ ሰብ ሞያ ሓካይም ንዘጋጥሞም ዘሎ ፀገም እናስካሕክሑ ብልሳኖም ገሊፆም፣

   ነዚ ፀገም’ዚ ክፍታሓሎም ነበርቲ ቀለበስ ጥርዓኖም ብወከልቶም ናብ ወረዳ ካብ ዘፍልጡ ልዕሊ ሰለስተ ዓመት ብጉዳይ መብራህቲ፤ ክልተ ግዜ ድማ ናብ ክልል ከም ዝኸዱ ዝገልፁ እዞም ግዳያት። ኣካላት መንግስቲ ፀማም እዝኒ ብምሃብ ጉዳዮም ክፈትሑ ከም ዘይከኣሉን። ነቲ ፀገም መፍትሒ ተባሂሉ ካብ ህዝቢ ተዋፂኡ ዝተገዝአት ትራንስፎርመር‘ውን ኣርባዕተ ግዜ ተቓፂላ ገንዘብ ህዝቢ ሰኣን ግቡእ ፅገና ብላሽ ከም ዝተረፈ ኣብሪሆም፣

    ካብ’ዚ ሓሊፉ ኣብ’ቲ ከባቢ እትርከብ ቤት ትምህርቲ ብስእነት ፅሩይ ማይ። ፅሬቱ ዘይሓለወ ማይ ክሰትዩ ይግደዱ ሰለ ዘለዉ። ብሰንኩ’ዉን ቁፅሮም ዘይናዓቑ ተማሃሮ ሓሚሞም ካብ ትምህርቶም ይበኹሩ ከም ዘለዉን። ብፍላይ ከዓ ሓንቲ መምህር ብማይ ወለድ ብከቢድ ብምሕማማ ህይወታ ኣብ ኣስጋኢ ደረጃ ከም ዝርከብን። ንሳ እትምህሮ ዓይነት ትምህርቲ ካብ ዝበኩር ኣዋርሕ ኣቑፂሩ ከም ዘሎን ርእሰ መምህር እታ ቤት ትምህርቲ ንሚድያታት ገሊፁ፣

  ወስኹ እቲ ርእሰ መምህር መንግስቲ ሰለስተ ዓመትን ልዕሊኡን ዝገበረ ብርክት ዝበለ ፀገም ህዝቢ ኣብ ክንዲ ቆላሕታ ጌሩ ፍታሕ ምሃብ ፀማም እዚኒ ሂቡ ምሕላፉ ብጣዕሚ ዘሐዝን እዩ ምስ በለ። ነቲ ኣብ’ታ ወረዳን ካልኦት ከባቢታትን ኢትዮጵያ ዘሎ ፀገም ማሓበራዊ ግልጋሎት መንግስቲ ክፈትሓልና እዩ ዝብል ተስፋ የብልናን። እኳ ድኣ ጉጅለ እቲ ስርዓት ነኒ ባዕሎም እናተጠማመቱ ገንዘብ ህዝቢ ኣብ ምዉራር ጥራሕ እዮም ዝርከቡ ክብል ነቲ ርኡይ ከቢድ ፀገም ብመረረት ኣረዲኡ፣