Friday, April 19, 2013

ህዝባዊ ተነፅሎ ኣጋጥምዎ ዘሎ ፖሊስ ሽረ-እንዳስላሰ ምስ ዴምህት ርክብ ኣለኩም ብምባል ኣባላቱ ኣብ ምእሳር ተፀሚዱ ከም ዘሎ ተሓቢሩ፣



ቅድም ክብል ኣብ ዝተኻየደ ገምጋም ፖሊስ ሽረ-እንዳስላሰ ብርሃነ ሽሻይ ዝተበሃለ ኣባል ፖሊስ። ርኡይ ዉሽጣዊ ፀገማት ቤት ፅሕፈት ፖሊስ ክስተኻኸል ብግልፂ ብምንቃፉ። ነቲ ብግልፂ ኣብ መደረኽ ዝነቐፎ ግዕዙይ ዝበሎ ኣሰራርሓ ዘይመልክዑ ብምትሓዝ ንስኻ ዘይተገብረ ትዛረብ ኣንፃር ዉሽጣዊ ኣስራርሓ መንግስቲ ትኸይድ ልኡኽ ኣሸበርቲ ኢኻ ብዝብል ምስምስ ከሲሶም። ካብ ስራሕ ኣጊዶም ካብ ደሞዙ ክቕፃዕ ኣብ ዝገበርሉ እዋን። ኣብ ልዕሊኡ ንዝተፈፀመ በደል ሽዑ ንሽዑ ብሬድዮ ዴምህት ብምቅልሑ ዝተደናገፁ ሰበ ስልጣን ፖሊስ ኮሚሽን ክልል ትግራይ ኣብዚ ቅንያት ናብ ሽረ-እንዳስላሰ ከይዶም። ምስ ዴምህት ዝተኣሳሰሩ ሰባት ኣለዉና ነዉፃኣዮም ዝብል መእተዊ ርእሲ ተጠቕሞም። ነቲ ልዕሊ ኢሉ ዝተጠቐሰ ኣባል ፖሊስ ከም ኣብነት ብምጥቃስ ሽሙ ኣፀሊሞም ከም ዝዘልፍዎን ከም ዘፈራርሕዎን ዘቃልዕ ዜና ዳግም ብምቅላሕና ንኣባል ፖሊስ ብርሃነ ሽሻይ ምስ ዴምህት ርክብ ኣለዎ ብዝብል ብ7 ሚያዝያ 2005 ዓ.ም ከም ዝኣስርዎ ተፈሊጡ፣

ሓለፍቲ ፖሊስ ሽረ እንዳስላሰ ንፖሊስ ብርሃነ ሽሻይ ክኣስርዎ እንከለዉ። ኩነታትካ ኣብ ሬድዮ ዴምህት በተደጋጋሚ ዝቃላሕ ዘሎ ብደብዳቤ ወይም ብካልእ ሜላ ሓበሬታ እናሰደድካ ትራኸብ ስለ ዘለኻ ኢኻ ዝብል ዘይጭበጥን መርትዖ ዘይብሉን መሰረታዊ ጌጋ ሓሳብ ኣቕሪቦም ንምፅራይ ብዝብል ብዘይዝኾነ ሕጋዊ ቤት ፍርዲ ኣፍልጦ ብለይቲ ጨዉዮም ከም ዝኣሰርዎ ተገሊፁ፣

    መላእ ነባሪ ህዝቢ ሽረ-እንዳስላሰ ፈንፊንዎ ዘሎ ግዕዙይ ምሕድራ ስርዓት ወያነ። ዝሓለፈ ሰንበት ኣብ ዝተኻየደ ምስሉይ መረፃ ኣይንመርፅን ኢሉ ብምእዳሙ ሞራሎም ዝተሰብሩ ሰበ ስልጣን ወያነ። ዉሽጣዊ ኣካይዳ ፖሊስ ክፃረ ኣለዎ ናብ ዝብል ኣትዮም። መረፃ ኣብ ክካየደሉ ኣብ ዝወዓለ ምሸት ብርሃነ ሽሻይ ንዝተበሃለ ኣባል ፖሊሶም ምእሳሮም መከሓሓሲ ህዝባዊ ተነፅልኦም ዝተጠቀምሉ መርኣያ ፍሹል ኣካይድኦም ኮይኑ ኣሎ፣