Friday, April 19, 2013

ካብ ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ ዞባ ከምሺ ወረዳ ከያሶ ዝተፈናቐሉ ተወለድቲ ኣምሓራ ብሕማም ውፅኣት ተጠቒዖም ከም ዝርከቡ ተገሊፁ፣



እዞም ዜጋታት ድሕሪ እቲ ብዙሕ ግፍዕን ገልታዕታዕን ናብ ቦትኦም ክምለሱ ዝተገብረዃ እንተኾነ። ምግቢ ይኹን ሕክምና ኣብ ዘይብሉ ኣብ ማእኸል በረኻን ጫካን ተደርብዮም ግዳይ ጥሜትን ሕማም ውፅኣትን ምዃኖም ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ። ገለ ውሑዳት ሰራሕተኛታት ቀይሕ መሰቀል ኣብቲ ከባቢ ከይዶም ቀዳማይ ረዲኤት ክገብሩሎም ዋላ’ኳ እንተፈተኑ። ልዕሊ ዓቕሞም ኮይንዎም ከም ዘሎ እቶም ሰብ ሞያ ቀይሕ መስቀል ንዝተፈላለያ ማዕኸናት ናይ ዓይኒ ምስክርነቶም ምግላፆም ተፈሊጡ፣
   እዞም ብኣሻሓት ዝቑፀሩ ተፈናቐልቲ ምግቢ ዘቕርበሎም ኣካል ብዘይምህላው። ብርክት ዝበሉ ሽማግለታት ዝርከብዎም ህፃናት ብሰንኪ እቲ ዘጋጠመ ሕማም ዉፅኣት። ኣብ ኣፍ ሞት ከም ዘለውን ዛጊድ ዝኾነ በዓል ስልጣን መንግስቲ ክሪኦም ብዘይምኻኣሉ። ኣብ’ቲ ዝርከብሉ በረኻ ናይ ዓቕሊ ፅበት ሰለማዊ ሰልፊ ከም ዘካየዱ እቶም ሰራሕተኛታት ቀይሕ መስቀል ኣብ ሓበሬትኦም ወሲኾም ኣፍሊጦም፣
  መራሕቲ ሰበ ሰልጣን ወያነ ብዛዕባ መረፃን ኣብ ስልጣን ምፅናሕን እንተዘይ ኮይኑ። ብዛዕባ ድሕንነት ዜጋታት ዘየገድሶም ምዃኑ። እቲ ብግልፂ ዝረአ ዘሎ ዓብዪ ፀገም ህዝቢ ኢትዮጵያ መርትዖ እዩ ክብሉ ብዙሓት ተዓዘብቲ ሪኢቶኦም ይገልፁ፣