Friday, April 19, 2013

ገዛኢ ዉድብ ኢህወዴግ ብዘይምንም። ዓቕሚ ዘለዎም ተወዳደርቲ ዉድባት ዝገበሮ ምስሉይ መረፃ። ዘይሓሰቦ ውፂኢት ከም ዝሃቦ ካብ ዝተፈላለዩ ክፍልታት ሃገርና ዝተረኸቡ ሓበሬታታት ኣረዲኦም፣



ምንም እኳ ኢህወዴግ እቲ መረፃ ካብ 99 ክሳብ 100 ሚኢታዊ ከም ዝስዕር ኣሚኑ እንተነበረ። መራፂ ህዝቢ ኣብ ልዕሊ እቶም መምረፂ ካርድታት ዘስፈሮ ምልክት ግን ገዛኢ ፓርቲ ዘይሓሰቦን ዘይተፀበዮን ከም ዝነበረ ዝገለፁ ተዓዘብቲ። ሓደ ሓደ ከባቢታት ናይ ቀበሌን ወረዳን ሹሞኛታት ናይ መረፃ ተዓዘብትን ቆፀርቲ ድምፅን ዝተዓዘብዎም ነገራት ብምሽጢር ክሕዝዎ። ከቀባጥርሎም ከም ዝተራኣዩ ተዓዘብቲ ኣረዲኦም፣
   ኣብ ዞባ ሰሜን ወሎ ወልድያ ኣብ ዝርከብ ሓደ ናይ መረፃ ጣቢያ ካብ መንጎ ዝኣተዉ ናይ መረፃ ወረቓቕቲ። ልዕሊ ፍርቂ ዝኾኑ ባዶ ፃዕዳ ወረቐት። ኣብ ካልኦት ድማ ገዛኢ ፓርቲ ካብ ስልጣን ክወርድ ዝሓቱ፤ ናይ ሃይማኖት ነፃነትና ይከበር፤ ዝተኣሰሩ መራሕቲ ይፈትሑ፤ ክብሪ መነባብሮ ኣስካሕኺሑና፤ ኢህወዴግ ይተኣለየልና፤ ለውጢ ንደሊ ኣለና፤ ወዘተ ዝብሉ ፅሑፋት ኣብ’ቲ ናይ መረፃ ጣቢያታት ብብዝሒ ካብ መንጎ ዝተዘርግሑ መልእኽትታት ምዃኖም  ናይ ዓይኒ መሰኻኽር መሰረት ዝገበረ ሓበሬታ ኣፍሊጡ፣
   ኣብ ዞባ ሰሜን ሸዋ ከተማ አጣየ ኣብ ዝርከብ ሓደ ጣቢያዉን። አብዛሓ መራፂ ህዝቢ ዝኾነ ምልክት ከይገበረ ፃዕዳ ወረቐት ጥራሕ ናብ ሳንዱቕ ምእታው ሓደ ታዓዛቢ ንሚድያታት እንተቃልዕ። ኣብ አዲስ አበባ ሓደ ናይ መረፃ ነቑጣ ድማ ኣዚዮም ዉሑዳት መረፅቲ ጥራሕ ድምፂ ዝሃቡ እንትኾኑ። ካልኦት መረፅቲ ንኢህወዴግ ዝፃረፉን ዘናሽውን ለውጢ ዝሓቱን መልእኽትታት ዝሓዙ ከም ዝነበሩ  ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣
  ኣብ ከተማ አዲስ አበባ ቂርቆስ ክፍለ ከተማ ኣብ ውሽጢ ቤት ትምህርቲ ዋልያ ኣብ ዝነበረ መረፃ ነቑጣ ድማ። አምረፅቲ ሰባት ቁርሲ ንብላዕ ብምባል ነቲ መረፃ ጣቢያ ዓፂዮም ምኻዶም ሲዒቡ። ብግዲ ንምምራፅ ክወፁ ዝተገደዱ ሰባት እቲ ጣቢያ ተዓፅዩ ብምርኣዮም ናብ ገዝኦም ዝተመለሱ እንትኾኑ። ነቲ ጉዳይ ሰሚዖም ዝመፁ ናይ ኢህወዴግ ካድረታት ምስ’ቶም ኣምረፅቲ እምባጓሮ ፈጢሮም ከም ዝነበሩ ተዓዘብቲ ኣብሪሆም፣
   ብተመሳሳሊ ኣብ ከተማ ሃዋሳ ቅድሚ መረፃ ምክያዱ ሓደ ማዓልቲ ናይ ኢህወዴግ ካድረታት ገዛ ገዛ እናዘሩ ናይ መረፃ ካርዲ ይዕድሉ ከም ዝነበሩን። ኣብ ከተማ ጎንደር፤ ክፍለ ከተማ አራዳን አደባባይ እየሱስን ኣብ ዝመሳሰሉ ናይ ጣብያ መረፃታት ክሳብ ሓሙስ ዕለት 3 ሚያዚያ 2005 . ናይ መረፃ ካርድታት ክዕድሉ ምዉዓሎም ፍኖተ ነፃነት ጋዜጣ ኣብ ዘውፀኦ ፀብፃብ አመልኪቱ፣