Friday, April 19, 2013

መንግስታዊ ትካላት ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዘብፅሐኦ ዘለዋ በደልን ምዝባዕ ሕግን። ካብ ዓመት ናብ ዓመት ይውስኽ ምህላዉ ኣብ’ዚ ቀረባ ዝተገብረ መፅናዕቲ ኣረጋግፁ፣



ብመስረት እቲ መፅናዕቲ። ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ  ዓመታት እቲ ዝለዓለ 31% ዝሓዙ ጥርዓናት ካብ ቀበሌ ጀሚሩ ክሳብ ፌዴራል ዝቐረቡ እንትኾኑ።  ዓመታዊ 160% እናዓበየ ይኸይድ ምህላዉ ድሕሪ ምግላፅ። ኣብ ፍትሒ ዝረኣዩ ጥርዓናት ድማ ብ138%፤ ኣብ ሚኒስትሪ ትምህርትን ካልኦት ናይ መንግስቲ ትካላትን ብ221%፤ ምስ መሬት ዝተተሓዙ ጥርዓናት ድማ ብ409% ይውስኽ ምህላዉ ተፈሊጡ፣
   እቲ ሓበሬታ ኣስዒቡ። ካብ ከተማታት ሃገርና ኢትዮጵያ ድማ ብበዝሒ ልዕልና ሕጊ ካብ ዝጥሓሰለንን ፍትሒ ዝዛበዐለንን ሓንቲ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኮይና። ብኣሃዝ ክስላዕ ድማ 60% ሸፊና ከም ዘላ ተገሊፁ፣
  ከም ዝፍለጥ ነዚ ምዝባዕ ፍትሒ ክከታተል ተባሂሉ ብመራሕቲ ወያነ ዝተጣየሸ  ‘ሓባሲ ንብዓት’ ዝበሃል ምስሉይ ጉጅለ እንተኾነ’ውን። ስርሑ ብግቡእ ክዋፃእ ስለ ዘይከኣለ። ብህዝቢ “ጉጅለ መጋደዲ በደል” ዝብል ሳጓ ተዋሂብዎ ከም ዘሎ  ይፍለጥ፣