Sunday, April 14, 2013

ብዘይተወዳዳሪ ንበይነይ ምረፁኒ ዝብል ዘሎ ኢህወዴግ ዘይተቐበሎ ህዝቢ ዞባ ከተማ መቐለ መረፃ ካርድ ካብ ዝወሰደ ህዝቢ ቁፅሩ ዘይናዓቕ ከም ዘይኣድመፀ ተገሊፁ።።



ካብቲ ዝመረፀ ህዝቢ መብዛሕትኡ ድሕሪ ሰዓት ክልተ ናብቲ መምረፂ ናቑጣ ከም ዝኸደ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ። ከይዲ ኣፈፃፅማ መረፃ ስርዓት ዘይተኸተለ ምንባሩ ዝተዕዘቡ ወገናት ኣብ እንዳ መዛናግዕታት መዘራረቢ ዛዕባ ጌረሞ ከም ዘለዉ ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣

ኣብቲ መረፃ ሓይሊ ፖሊስን ፌዴራል ፖሊስን ብረት ሒዞም ካብ ናይ መረፃ ናቑጣ 100 ሜትሮ ርሕቖም ሓለዋ የካይዱ ከም ዝነበሩ። እቲ መረፃ ወሳኒ ምዃኑ በቢከባብኡ ዝርከባ ኤፍ ኤም ሬድዮ ወያነ ተኸታታሊ ጎስጓስ ከካይዳ ከም ዝወዓልን። ነቲ ሚዛኑ ዘይሓለወ ሓበሬታን ጎስጓስን ህዝቢ ብምግራም ከም ዝከታተሎ ከም ተወዳዳራይ ኮይኑ ዝቐረበ እንተሃለወ እውን ኣብ ዞባ ደቡብ ትግራይ ወኪል ሰማያዊ ራኢ ናይ ዝተበሃለ  ዉድብ መሓመድ ጋዳፊ ጥራሕ ምዃኑ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።።

ኣብ ትሕቲ ፅዑቕ ክትትል ዝርከቡ ኣመራርሓን ኣባላትን ዉድብ ዓረና መድረኽ ናብቲ ትማሊ /ናብ 6 ሚያዚያ 2005/ ኣብ ዘዉግሕ ለይቲ መነበሪ ገዝኦም ብፌዴራል ፖሊስ ሓለዋን ኮለላን ክግበረሉ ከም ዝሓደረ እቲ  ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣረዲኡ።።

እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ኣብ መቐለ ዓዲ ሓቂ ጣብያ ‘’ኣሞራ’’ ኣፈፀምቲ መረፃ ተባሂሎም ዝተቐመጡ ሰባት። ኣብ ምሳሕ ሰዓት ተኣኻኺቦም ተቐሚጦም ኣብ ዝነበርሉ። ተቓወምቲ ዉድባት ኣብ መረፃ ብዘይምስታፎም ካብ ጭቕጭቕ ድሒና ናይ ሎሚ መረፃ ሰላምዊ እዩ በቃ እናበሉ ነንባዕሎም ክዕልሉ ከም ዝተሰምዑ ተፈሊጡ።።