Sunday, April 14, 2013

ኣብ ክልል ትግራይ ትማሊ ክካየድ ኣብ ዝወዓለ ናይ ከተማን ከባብያዉን ምስሉይ መረፃ ወያነ ዘይተሳተፉ ሰባት ኩነታቶም ክፃረይ ኣለዎ ከም ዝተበሃለ ተሓቢሩ፣



ኣብ መላእ ክልል ትግራይ ኣብ ዝርከባ ከተማታትን ከባብታትን ትማሊ ሰንበት ክካየድ ኣብ ዝወዓለ ብቁዕ ተወዳዳሪ ዉድብ ዘይብሉ ቀዳማይ ዙር ተባሂሉ ዝተሰየመ ምስሉይ መረፃ ወያነ ኢህወዴግ። ክንድቲ ብካድረታቶምን ኣባላቶምን ኣገዲዶም ኣብ በብመነበሪ ገዝኡ እናዘሩ ዝዓደልዎ ካረድ መረፃ ዝመጣጠን በዝሒ ሰብ ድምፁ ዝህብ ክሳተፍ ብዘይምኽኣሉ ዝተቖጥዑ ሰበ ስልጣን እቲ ስርዓት። ኣብ ታሕቲ ዝርከብ ኣመራርሓ ነዚ ጉዳይ ከም ሓደ ዓብዪ መደብ ዝተሰብረ ወሲዱ ብትኹረት ክካታተሎን ከፃርዮን ከም ዘለዎ ዘመላኽት መምርሓታት ብኣግኡ ይመሓላለፍ ከም ዘሎ ካብ ዉሽጢ ፈለጥቲ ዝለሓዀ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።።l

እቲ መረፃ ካብ ሰዓት 12:00 ንጎሆ ጀሚሩ ክሳብ 12:00 ምሸት በቲ ዝወረደ መምርሒ መሰረት ክቕፅል እኳ እንተተገብረ። እዙይ ዝበሃል ተሳትፎ ህዝቢ ዘይነበሮ ኣዚዩ ዝሑሉን ስሚዒት ዘይነበሮን እንትኾን። ብፍላይ ኣብ ገለ ገለ ናይ መረፃ ናቑጣታት መረፃይ ዘይብሉ ጠቕሊሉ ጠጠዉ ዝብለሉ ሰዓታት ብምንባሩ። በዚ ስቕታ ህዝቢ ዝረዓዱ ኣመሓደርቲ ጣብያታት በቲ ልሙድ ሓደ ንሓሙሽተ ዘይሓላፍነታ ኣሰራርሕኦም መሰረት ዘይመረፁ ሰባት እናፈተሹ ብመራሕቲ ጉጅልኦም እናፀዉዑ ክመርፁ ዝተገብረሉ ከባብታት ከም ዘሎ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ኣረዲኡ።።

ኣብ መወዳእታ እቲ ሓበሬታ። ዝኾነ ዘይመረፀ ሰብ መጀምርያ ብዝግባእ ኩነታቱ ክፃረይ። ብድሕርኡ ድማ ብዘይምምራፁ ከም ሐደ ከዳዕን ፀረ-ልምዓትን ተወሲዱ ብመንግስቲ ይኹን ብገበርቲ ሰናይ ትካላት ኣብ ዝመፅእ ሰርሕኻ ምብላዕ ይኹን ካልእ ጥቕማ ጥቕሚ ከይረክብ ክግበር ከም ዘለዎ ኣብቲ ዝተመሓላለፈ መምርሒ ተኻቲቱ ከም ዘሎ ኣገንዚቡ።።