Tuesday, April 9, 2013

ሰበ ስልጣን ስርዓት ወያነ ኣብ በረኻ ዝቃለሱ ዘለዉ ደቅኹም ኣብ ማእኸልና ዘሊቖም ይኣትዉ ኣለው ብዝብል ምኽኒት ንህዝቢ የንገላትዕዎ ከም ዘለዉ ተገሊፁ።።



ኣብ ዉሽጢ እቲ ስርዓት ዝረአ ዘሎ ፍርሕን ራዕድን ዝወሎዶ ንሰላማዊ ህዝቢ ናይ ምንግልታዕ ባህሪ መቐፀልታ ልሙድ ተግባሮም ኮይኑ። ኣብ ዞባ ሰሜን ምዕራብ ከባቢታት ማይ-ሓንሰን ሕንፃፅን ዝተባሃሉ ቦታታት። ተቓወምቲ ሓይልታት በረኻታት ትግራይ። ብረቶምን ዕጥቆምን ሸኽሚ ኣምሲሎም ብምሓዝ ናብ ዉሽጥና ዘሊቖም ኣትዮም ኣለዉ ብዝብል ምኽኒት። ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩ ልዕሊ 12 ሽሕ ዝግመቱ ኣረይቲ ወርቂን ነባሪ ሕብረተሰብን። ብፌዴራል ፖሊስ፤  ፖሊስን ምልሻን እቲ ከባቢ ብሓባር ኮይኖም። ካብ 27 መጋቢት 2005 ዓ/ም ጀሚሮም ፀልማት ጉልባብ ጌሮም የባርርዎምን የንገላትዕዎምን ከም ዘለው ተፈሊጡ።።
  እቲ ስርዓት ከምዚ ዓይነት ስጉምቲ ክወስድ ዝኸኣለሉ ምኽንያት። ስርዓት ኢህወዴግ ተወዳዳሪ ኣብ ዘይብሉ ከካይዶ ዝዳለወሉ ዘሎ መረፃ ተኣሳሲሩ ስግኣታት ይፈጥረሉ ስለ ዘሎ እቶም ኣረይቲ ወርቂ ፈሪሖም ናብ ዓዶም ንኽኸዱን ኣብ ልዕሊ ነባሪ ህዝቢ ድማ ብፀቕጥን ወጥሪን ኣዋጢርካ ፀግዒ እቲ ስርዓት ንምግባርን እኳ እንትኾነ። ህዝቢ ንእከይ ተግባራት ስርዓት ወያነ ነቒሕሉ ስለ ዝፀነሐ። ነቲ ዝዉሰድ ዘሎ ግፍዓዊ ስጉምቲ ብፅንዓት ይቃወሞ ከም ዘሎ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።።