Tuesday, April 9, 2013

ነበርቲ ከተማ ሸራሮ መወዳደርቲ ዘይብሉ መረፃ ቅኑዕ ኣይኮነን ክብሉ ነቲ ብኢህወዴግ ጥራሕ ዝቐረበ ምልክት ንህቢ ከም ዘይተቐበልዎ ካብ’ታ ከተማ ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣመልኪቱ።።



   ብመሰረት እቲ ሓበሬታ ካብ ላዕለዎት መራሕቲ ወያነ ዝተልኣኹ ካድረታት ወያነ ንህዝቢ ከተማ ሸራሮ ካብ ዕለት 28 መጋቢት 2005 ዓ.ም ጀሚሮም ብምእካብ።  ናትና ምልክትና ንህቢ እዩ። ስለዚ  ንዓና ምረፁ እናበሉ ልሙድ ናይ ሓሶት  ፕሮፖጋንዳ ብምንዛሕ ደጋፊ ክረኽቡ ሓሲቦም ዝተበገስሉ ኣብ ባይታ ግና ብኣንፃሩ ኮይኑ መወዳደርቲ ዘይብሉ መረፃ ቅኑዕን ዴሞክራስያውን ኣይኮነን  ብምባል ነባሪ ህዝቢ ሸራሮ ተቓውሞ ከም ዘስምዐ ተገሊፁ።።

   በቲ ተቓውሞ ህዝቢ ከተማ ሸራሮ ዝተደናገፁ ካደረታት ወያነ። ነቲ ነባሪ ህዝቢ ንምርግጋእ ክብሉ ተቓወምቲ ውድባት ናብ መረፃ ክቐርቡ ዘይከኣሉ ብድሌቶም እዮም እኳ እንተበሉ። ተኣካቢ ብፍላይ ከዓ መንእስያት እታ ከተማ በዚ ዘይቅቡልን መደናገርን ዝኾነ ምኽኒት ኣይንዕሾን ብምባል ነቲ ኣኼባ ረጊፆም ከም ዝወፁ እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ወሲኹ ኣረዲኡ።።