Monday, April 22, 2013

ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ነባራይ ህዝቢ ከተማ ሸራሮ ካብቲ መምረፂ ነቑጣ ብሓደ ድምፂ ኣይንመርፅን ብምባል ከም ዝተበተነ ካብታ ከተማ ዝተረኸበ ሓበሬታ ገሊፁ።



ብመሰረት እቲ ሓበሬታ። ኣብ መምረፂ ነቑጣ ክመርፅ ተኣኪቡ ዝነበረ ህዝቢ ከተማ ሸራሮ ነቲ መረፃ ክነፅጎ ዝኸኣለ መወዳደርቲ ዘይብሉ መረፃ ርትዓዊ ኣይኮነነን በየናይ መለክዒ እዩ መረፃ ክባሃል ብምባል ነቲ ሙስሉይ ዝኾነ መረፃ ወያነ ራሕሪሕዎ ከም ዝኸደን ድሕሪ ምግላፅ። ካብ ዉሽጢ እቶም ቅኑዕ መረፃ ኣይኮነን ዝካየድ ዘሎ ኢሎም ነቲ ዝካየድ ዝነበረ መረፃ ረጊፆም ካብ ዝወፁ ዜጋታት ገለ ንምጥቃስ።-
1.      ፀጋዘኣብ ብርሃነ
2.      ቴውድሮስ ኪዳነማርያም
3.      ኣብረሃለ ታደለ
4.      ገብረኪዳን ታደሰ
5.      ሰሎሙን ካሕሳይ
6.      ብርሃነ ገብረስላሰ
7.      ኣሕፈሮም ፍስሃን ካብቶም ብዙሓት ገልኦም እንትኾኑ። በቲ ተሪር ስጉምቲ ህዝቢ ዝሰግኡ ኣመሓደርቲ ናብታ ከተማ ብበዝሒ ምልሻታትን ፖሊሳትን ኣዋፊሮም ነቲ ነባራይ ህዝቢ የበሳብስዎ ከም ዘለዉን ምስ እዚ ብተወሳኺ ህዝቢ ከተማ ሸራሮ ከይመርፅ ኣተሓባቢርካ ብዝብል ምኽኒት ካሕሳይ ዘሪሁን ንዝተባህለ ዜጋ ኣሲሮሞ ከም ዘለው  ተፈሊጡ።

    ብተመሳሳሊ ኣብ ክልል ኣምሓራ ነበርቲ ከተማ ጎንደር ኣብ’ቲ ዝተኻየደ ምስሉይ መረፃ ወያነ-ኢህወዴግ ኣይንመርፅን ብምባል ተቓውሞ ብምስምዖም ብኣባላት ፖሊስ እቲ ስርዓት እናትሃድኑ ናብ ቤት ማእሰርቲ ይዳጎኑ ከም ዘለውን ነዚ ተኸቲሉ ዝተፈላልዩ ጥቕማ ጥቕሚ ከይረኽቡ ዝእግድ መምርሒታት ዉሽጣ ዉሽጢ ይምሓላለፍ ከም ዘሎን ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣