ኣብ እዋን ኲናት ኢትዮ-ኤርትራ ሃገር ተወሪራ
ብዝብል ምኽኒት ዝተፈላለዩ መብፅዓታት ብስርዓት ወያነ ተኣትይሎም ናብ ዉትህድርና ክኸቱ ዝተገበሩ ዜጋታት ኣብ ፅባሕ እቲ ኲናት
ካብ ሰራዊት ኣሰናቢቱ ናብ መረበት ገዝኦም ዝሰደዶም ተጋደልቲ ነበር ብዘይዝኾነ ዉዕለት ዘባረሮምን፤ ከምኡ’ዉን ኣብቲ እዋን
ተሰሊፎም ናይ ዝተሰዉኡ ተጋደልቲ ነበር፣ ስድርኦም ካሕሳ ብዘይምርካቦምን ኣብ ልዕሊ እቲ ስርዓት ዘይተፀበዮ ሕቶ ኣልዕሎም ከም
ዘለው ዝበፀሓና ሓበሬታ ኣረዲኡ።
እቶም ዝተፈላለዩ ኣካላዊ ጉድኣት በፂሕዎም
ብህይወት ዝርከቡ ተጋደልቲ ነበር፤ ሰሪሖም ዝበልዕሉ ኩነታት ስኢኖም መነባብርኦም ንምምራሕ ተፀጊሞም ኣብ ዘለዉሉ፤ ኣብ ስልጣን
ዝርከብ ስርዓት ናይ ጥሮታ መሰል ክሕለዎሎም፤ ናይቶም ዝተሰዉኡ
ስድራ ቤት ወረስቲ‘ዉን ካሕሳ ብዝግባእ ክረኽቡ በብክልሎም ፊርማ ኣተኣኻኽቦም፣ ካብ ዉሽጦም ወከልቶም መሪፆም ንመጓዓዝያን
ስንቅን ዝኸዉን ሕድሕድ ሰብ 300 ብር ኣዋፂኡ ኣብዚ ቅንያት ናብ ሚኒስትሪ ምክልኻል ከም ዝለኣኹ ተፈሊጡ።
እንተኾነ ግና ሚኒስትሪ ምክልኻል ነቶም
ተወኪሎም ዝተላእኹ ግዳያት “ንስኹም ምሳና ዝኣተኹሞ ዉዕል ስለ
ዘየለ ኣብዚ ሕዚ እዋን ዝሕለዉ ጥሮታ ይኹን ዝዋሃብ ካሕሳ የለን። ነቲ ኣብቲ ኩነታት ዝነበረኩም ተሳትፎ ግና የቐንየልና።”
ዝብል ፃዕዳ ምስክር ወረቐት ሂቦም ከም ዘፋነዉዎም እቲ ዝበፀሓና ሓበሬታ ወሲኹ ገሊፁ።