ካብቶም ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ፖሊስ ዝወዓሉ ናይ
ውሽጢ ሃገር ደህንነት ምኽትል ሓላፍን ናይ ቤተ መንግስቲ ደህንነት ሓላፊን ኣይተ ጌታቸዉ ተፈሪ ዝተበሃለ ላዕለዋይ በዓል
ስልጣን ካብ ዉድብ ብኣዴን ዝርከቦም ካብ ኣርባዕትኦም ዉድባት ኢህወዴግ ተኣመንቲ ተባሂሎም ተዉፃእፂኦም ብላዕለዋይነት ነቲ
ሃገራዊ ድህንነት ስርዓት ወያነ-ኢህወዴግ ንልዕሊ 22 ዓመታት ኣብ ዝተፈላለየ ፀፍሒታት ኮይኖም ክመርሕዎ ዝፀንሑ ሰባት እኳ
እንተኾኑ፤ ነቲ ድሕሪ ሞት መለስ ዘሎ ሓዱሽ ኣወቓቕራን ናይ ዉደባን
ምደባን ስራሕቲ እቲ ስርዓት ተሳኒዮም ክኸዱ ብዘይምኽኣሎም ኣብ
ትሕቲ ቁፅፅር ፖሊስ ዉዒሎም ምፅራይ እናተገብረሎም ከም ዘሎ ተፈሊጡ።
እዞም ገበርትን ሓደግትን እቲ ስርዓት ኮይኖም
ዝፀንሑ ሰበ-ስልጣን ድህንነት ክእሰሩ ኣብ ዝተሓሰበሉ ግዜ ብቀዳማይ ሚኒስተር ስርዓት ወያነ ሃይለማርያም ደሳለኝ ዝምራሕ ኣኼባ
መራሕቲ ኢህወዴግ ይካየድ ኣብ ዝነበረሉ፤ ነቲ ብጠቕላይ ሚኒስተር ሃይለማርያም ደሳለኝ ዝቐረበ ሓሳብ፣ ገሊኦም ኣብ ጎኑ
ኮይኖም እንትድግፍዎ፤ በቲ ካልእ ከዓ ኣንፃራዊ ጉጅለ ብምፍጣሩ ኣብ መንጎኦም ኣፈላላይ ሰፊሑ ክሰማምዑ ብዘይምኽኣሎም፤ ብቐጥታ
ናብ ድምፂ ብልጫ ኣትዮም ብድምፂ ተቓዉሞን ተዓቅቦን ነቶም ሰባት ክእሰሩ ከም ዝተገበረ እቲ ካብ ዉሽጦም ልሒኹ ዝበፀሓና
ሓበሬታ ኣረዲኡ። ኣብ ዝሓለፈ እዋን ናይ ዓዲ ውሽጢ ዝነበረ ኣቶ ወልደስላሰ ተኣስሩ ሓያል መግረፍቲ ይበፅሖ ከምዘሎ ገሊፅና ምንባርና ይዝከር።