Tuesday, September 10, 2013

ነባሪ ህዝቢ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ሓደ ንሓሙሽተን ሸዉዓተ ንሰላሳን ብዝብል ኣወዳድባ ወያነ ኢህወዴግ ኣብ መዋጥር ተፀሚዱ ከም ዘሎ ካብታ ከተማ ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።



እቲ ሓደ ንሓሙሽተን ሸውዓተ ንሳላሳን ዝብል ኣወዳድባ ስርዓት ወያነ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ካብ ዝተኣታቶ ዝፀነሐ እኳ እንተኾነ፤ እቲ ሕዚ ብዝተፈላለዩ ተቃወምቲ ዉድባትን መሰል ሃይማኖት ይተሓሎ በሃልትን ዝካየድ ዘሎ ምልዕዓላትን ሰልፍታትን እናተጠናኸረ ከይኸይድን ንምስንኻልን ካብቲ ዝፀነሐ ኣወዳድባ ፍልይ ብዝብለ መንገዲ ዝኾነ ሰብ ምስ ዝተወደበሉ ጉጅለ ብቐፃሊ ክራኸብን ሓበሬታ ክቀባበልን ፍሉይ ምንቅስቓስ እንተሎ ምስ መራሕኡ ክዘራረበሉ ነዚ ዘይገበረ ግና ኣንፃር ሃገር ጠጠዉ ከም ዝበለ ተፈሊጡ ክንቀፍን ብሕጊ ዝሕተት እንተኾይኑ እዉን ብጉጅልኡ ዉሳነ ክዋሃቦ ይግበር ከም ዘሎ ተፈሊጡ።

 ብተወሳኺ መርበባት መሓዉር ስለያ እቲ ስርዓት መበግሲኦም ካበዘን ጉጅለታት ንምግባር ብቐንዱ ካደረታት ዓብዪ ዕማም ስለዝተዋሃኦም  ነዘን ጉጅለታት ኣብ ምጥንኻር ተፀሚዶም  ከም ዘለው በዚ ጨፍላቒ ዝኾነ ኣሰራርሐኦምን ኣሸብርቲ ሰሊኾም ኣለዉ ብዝብል ወረን ካድረታት እቲ ስርዓት ዓቕሉ ዝፀበቦ ህዝቢ ኣዲስ ኣበባ ብፍርሕን ራዕድን ተዋሕጡ ዕለታዊ መነባብርኡ ኣብ ምምራሕ ዕንቅፋት ኮይንዎ ከም ዘሎ እቲ ዝበፀሓና ሓበሬታ የረድእ።