ኣብ ኩለን ከተማታት ክልል ትግራይ ዝርከቡ ትምህርቶም ኣብ ኮሎጃትን ዩንቨርሲቲታትን ተማሂሮም ህይወቶም
ዝመርሕሉ ስራሕ ዘይረኸቡ ብርክት ዝበሉ መናእሰይ፤ ዓቕሊ ፅበትን ጭንቀትን ዝወለዶ ካብ ወለዶምን ኣሕዋቶምን ዝረኸብዎ ገንዘብ ሒዞም
ኣብ ዘየድልዩ ኣፀያፊ ተግባር ዝፍፀመሎም እንዳ-ጫትን ኣብያተ መስተን ይውዕሉን ይሓድሩን ብምህላዎም መፃኢ ጉዕዞ ህይወቶም
ዝፀለመተ ኮይኑ ከም ዘሎ ንግዳያት መሰረት ብምግባር እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።
ምሁር መንእሰይ ሃገርና ኣብዚ ሕዚ ግዜ ብሰንኪ ንዕኡ ዝፀዉር ስራሕቲ ዘይምስፍሕፍሑን ዘይምህላዉን
ንህዝቡን ሃገሩን ክህቦ ዝግብኦ ዝነበረ ኣገልግሎት ክህብ ዘይምኽኣሉን፣ ናብ ዓዲ ጓና ክስደድ ኣብ ፈቐዶ ሰሃራ በረኻን ባሕሪን
ከቋርፅ ህይወቱ ዝቕዘፍ ዘሎ መግለፂ ዘይሓለፍነታዊ ኣብ ስልጣን ዘሎ ስርዓት ኮይኑ፤ ከም ሰዓቤኑ ከዓ ሃገርና ኢትዮጵያ ክተመዝግቦ
ዝግብኣ ብ10% ዝግመት ዕቤት ስኢና በብዓመቱ ንድሕሪት ትጉተት ከም ዘላ መርትዖ ኣደጊፎም ተዓዘብቲ ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ
ኣረዲኦም።
ብተወሳኺ መንእሰይ ሃገርና ኣብ ዉሽጢ
ዓዱ ኮይኑ ካብ ናብ ሰርሑ ዘይበልዓላ ቤት ማእሰርቲ ኮይናቶ ኣላ ምስ በሉ፤ ካልእ ተሪፉ ካብ ካልኦት ከተማ ናብ መቐለ መፅኦም
ኣብ ስራሕቲ ህንፃ ተኾናቲሮም ክሰርሑ ዝፀንሑ፤ ብሓይሊታት ፀጥታ ተታሕዞም ካብታ ከተማ ስለ ዝተባረሩ ጀሚረሞ ዝነበሩ ስራሕቲ
ኮንስትራክሽን ንሓዋርሕ ተቛርፁ ጠጠዉ ብምባሉ ዘሕዝን ፍፃመ ከም ዝኾነ እቲ ካብ ከተማ መቐለ ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።