Thursday, September 19, 2013

ብክእላ በዓል ሞያ ኣብ ዘይተሰነየ ሕርሻ መሬት መደባርያ ክጥቀሙ ዝተገደዱ ሓረስቶት ንዘይተደለየ ክሳራ ምስጥሖም ካብ ዞባ ኣዊ ወረዳ ጃዊ ዝበፀሐና ሓበሬታ ኣፍሊጡ።



ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ኣዊ ወረዳ ጃዊ ዝርከቡ ብሕርሻ ዝመሓደሩ ሓረስቶት ብካድረታት ስርዓት ወያነ-ኢህወዴግ ተገዲዶም ክወስድዎ ዝተገብረ ዘመናዊ ድኹዒ ኣዚዩ ብምኽባሩ ብቐንዱ ከዓ ንሓደ ሄክታር ናይ ሕርሻ መሬት ኣብ  ከመይ ዝበለ ዓይነት ሓመድ ክንደይ ዝኣክል ዓቐን ይእትዉሉ ንኣጠቓቕምኡ ዝምልከት ዝርዝር ኣፍልጦ ብዘለዎም ክኢላታት ሕርሻ ተሰንዩ ክምራሕ ስለ ዘይተገብረ ኣብ ዉፅኢቱ እዙይ ዝበሃል ፍረ ከይሓዘ ብምትራፉ እቶም ሓረስቶት ኣብ ዓብዪ ጭንቀት ወዲቖም  ከም ዝርከቡ  ንምፍላጥ ተኻኢሉ።

እቶም ሓረስቶት ልዕሊ ማንም ኣጨንቕዎም ዘሎ ሕርሻ መሬቶም እኹል ፍረ ከይሓዘ ብምትራፉ ቀለብ ዓመት ስድርኦም ዘይኮነስ፤ እቲ መራሕቲ ስርዓት ወያነ ሓላያት መሲሎም ብልዑል ዋጋ ዝሃብዎም መዳበርያ ካበይ ኣምፂኦም ከም ዝኸፍልዎ ኣሰኪፍዎም ስለ ዘሎ፤ ነቲ ፍረ ኣብ ግምት ኣትዩ ኣረኣእያ ክግበረሎም ኣብ ዝጠርዕሉ፤ ተቐባልነት ስኢኖም ካብታ ዝተበሃለቶም መዓልቲ ከይሓለፈት ክፈልዎ ስለ ዝተባሃሉ፤ ኣብቲ ስርዓት ዝነበሮም እምነት ባይታ ዘቢጡ ከምዘሎ ካብ ወረዳ ጃዊ ዝበፀሐና ሓበሬታ ኣረዲኡ። ቅድሚ ሕዚ ሓረስቶት እዚ ከባቢ ብሓይሊ ክወዱ ይግዱዱ ከምዝነብሩ  ጠቕስና ምንባርና ይዝከር።