Thursday, September 19, 2013

ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ዞባ መተከል ወረዳታት ዝገምን ማንኩሽን ብሓዱሽ ኣሰራርሓ ስርዓት ወያነ ብርክት ዝበሉ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ካብ ስርሖም ይባረሩ ከም ዘለዉ ተሓቢሩ።



ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ስልጣን ብዝርከብ ስርዓት ናብቲ ክልል ብሰፊሑ ናብ ኩለን ኣብያተ ዕዮ መንግስቲ ኣብ ተግባር ክዉዕል ተኣታትዩ ብዘሎ ስራሕተኛታት ዘይኣመንሉን ዘይተመያየጥሉን ኣባልነት ማእኸል ዝገበረ ሓዱሽ ኣሰራርሓ፤ ንዓመታት ፍልጠቶምን ጉልበቶምን ከይበቐቑ ከገልግልሉ ካብ ዝፀንሑ ቤት ፅሕፈታት ካብ ዝሓለፈ 20 ነሓሰ 2005 ዓ.ም ጀሚሮም ብዘይ ዝኾነ ድጎማን ናይ ጥሮታ ኣበልን ይባረሩ ከም ዘለዉ ንግዳያት መሰረት ብምግባር ካብቲ ቦታ ዝበፀሓና ሓበሬታ ኣፍሊጡ።

እቲ ቀንዲ ሰራሕተኛታት ናይ ምብራር ምኽንያት ቢፒኣር ዝጠልቦ ምምልኣን ዘይምምልኣን ኣይኮነን ዝበለ እቲ ሓበሬታ፤ እንተኾነ ግና ኣብ ኣብያተ ፅሕፈታት ዝርከቡ ብገንዘብ ዝተዓሰቡ ኮራኹር ሰበ ስልጣን ወያነ፤ ነቲ ሓዱሽ ኣሰራርሓ ከም ጉዝጓዝ ተጠቒሞም ብዓይኒ ፅልኣት ክርእዎም ንዝፀንሑ ሰራሕተኛታት ከም ተፃባእቲ ህላወ እቲ ስርዓት ጌሮም ናብ ላዕለዎት መራሕቶም ብምፅብፃብ፤ ደቂ ኣንስትዮ ዝርከበኦም ብርክት ዝበሉ ወገናት ግዳያት ብምዃኖም፤ ኣብዚ ሕዚ ግዜ ብዘይሓደ ስራሕ ተሪፎም ንባዕሎምን ንዘማሓድርዎም ስድርኦምን ኣብ ዝኸፈአ ናይ ማሕበራዊን ኢኮኖምያዉን ፀገም ወዲቖም ከም ዝርከቡ ኣረዲኡ።