Monday, May 5, 2014

ክቡራት ኣንበብትን ተኸታተልትን መደብና እዚ ቀሪቡ ዘሎ ኣብ ዝስራሕ ዘሎ ግድብ ሩባ ኣባይ ዝግበር ዘሎ ግዑዙይ ተግባራትን ስርቅን ዘቃልዕ ካብ ውሽጢ ሰራሕተኛታት እቲ ግድብ ዝተላኸልና ፅሑፍ ከም ዘለዎ ኣቕሪብናዮ ኣለና ሰናይ ንባብ



ናይ ሓሙሽተ ዓመት ናይ ዕብየት ስግግር ፕሮግራምን
ምድላው መረፃ 2007!

    ስርዓት ኢህወዴግ ሃገርና ኢትዮጵያ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅሩ ብምግባር አብ ዓለምና ንዝርአዩ ናይ ሓጥያት ነዃላት በናይ ሓሰት ሕልማዊ አተሓሳስባታት ከም ዝድፈን እናምሰለ ብምጭብርባር ንመዋእሉ ንገዛእ ህዝቡ እናረገፀ፤ እናጨቆነን እናሳደደን ንምንባር ዘይምህዞ ተንኮልን ዘይአልሞ ናይ ፅልአት ፈጠራን የለን።
 ስለዝኾነ ድማ’ዩ ህ.ወ.ሓ.ት ኢ.ህ.ወ.ደ.ግ ንሰባት ብዘይወዓልዎ ዝውንጅል፤ ስልጡን ሌባን መጭበበርን ዝብሉ ቃላት ከም ዓለም ለኻዊ መፀዊዕዑ ገይርና እንጥቀመሉ።   
    ወያነ ኣብ ውሽጢ ዝሓለፉ 24 ዓመታት ብዙሓት ዘስሕቁ፤ ዘግርሙን ዘዘናግዑን ኣደነቕቲ ዝተባሃሉ ናይ ሌብነትን ጭቆናን ፈጠራታት ኣብ ዝተፈላለዩ ዓለም ለኻዊ መድረኻት ከይተርፈ ፍሉይነት ብዘለዎን ንእዝኒ ምሁራት ኣካላት ብዝስሕቡ መንገዲ እናቕረበ ተጋሃድቲ ዝመስሉ ግን ድማ ምንም ክጭበጡ ብዘይኽእሉ መደናገርቲ ቃላት ብምጥቃም ኣብ ሃገርና ዴሞክራሲ፤ ናፅነትን ፍትሕን ካብ ልክዑ ንላዕሊ ከም ዝሰፈነ ጌሩ ወላ እንተተዛረበ ብዛዕባ ሁሉው ኩነታት ሃገሩ ንዝፈልጥ ዜጋ ዘደናግሮ ኣይኮነን።
    ዝሓለፉ ግንቦት 7/1997ን ግንቦት 15/2002ን ዓ/ም ኣብ ዝተኻየዱ ተመሳሰልቲ ምስሉያት መረፃታትን ዘጋጠምዎ ናይ ህዝቢ ተቓውሞን ከም ፅቡቕ ተሞኩሮ ብምርኣይ ናይ ሓሙሽተ ዓመት ናይ ዕብየትን ስግግር ፕሮግራም ኢሎም ምስጢር ሌብነቶም ንህዝቢ ከዊሎምን ማዕፅኦም በቐሊሉ ክረኣይ ብዘይክእለሉ መንገዲ ተጠቒሞምን አብ ዝተፈላለየ ከባቢ ዓይነት፤ ግዜን መጠንን ዘይልክዖ ጉጅላዊ ናይ ሃሶት ፕሮፖጋንዳ እንትነዝሑ ኣስተዊዒልናዮም’ና።
    በቲ ስርዓት ተቐሚጦም ዘለው ናይ ልምዓት መደባት። አይኮነን ካብ ኣብራኽ ኢትዮጵያዊ ዝወፀ ሓበሻዊ ፍጡር ናይ ሲኦል ኣቦ ወንበር ዝኾነ ሸይጣን እኳ ዝቃወሞ ኣይመስለናን ብፍላይ ኣብ ትልሚ ስግግር ዕብየት 5 ዓመት ዘይተኻተተን ኣብ ናይ ኢትዮጵያ ታሪኽ  ድኽነት ናይ ምጥፋእ ዓብይ እጃም ክፃወት ዝኽእል ግድብ ህዳሴ ዝኾነ ደላይ ለውጢ ዜጋ በብዓቕሙ ኣስተዋፅኦ ክገብር ከም ዝግብኦ ናይ ኩላህና እምነት’ዩ።
   ወያነ ኢህወዴግ ግን “ሌባ ኣመል ኮይንዎ ሕንባሻ ይልሕስ” ከም ዝበሃል ዘቐመጦ ናይ ሓሙሽተ ዓመት መርሃ ግብሪ  ብ8 9 ዓመታት ኽዛዘሙ ዘይኽእሉ፤ ተፈፀምቲ ዝመስሉ ግን ዘይጠቓለሉን ኣብ ኣእምሮ ህዝቢ ብቐሊሉ ዝሰርፁ። ንስርቅን ምጥፍፋእን ምችዋት ዝኾኑ ናይ ገንዘብ መተአኻኸቢ ብልሓት ተፈጢሮም። ድኻ፤ ሃፍታም፤ ጋለንስተይቲ፤ ወዲ ተባዕታይ፤ ኣብ ዝተፈላለዩ ክፍለ ዓለማት ዝርከቡ ኢትዮጳያውያንን ትውልደ ኢትዮጵያውያንን፤ ኣባይ ተገዲቡ ንህዝብታት ሀገርና ከገልግል ድዩ ወይስ ንጋዛእ ህዝቦም ሸይጦም ንዝበልዑ ደለይቲ ስልጣን መሪሕነት’ቲ ስርዓት ጥቅሚ ክውዕል ብምባል። ኣብ ዝለዓለ ጥርጥር ኮይኖም ገንዘቦም የዋፅኡን የወፍዩን ኣለው።
     ዝኸበርኩም ናይ’ዚ ፅሑፍ ተኸታተልቲ ግድብ ኣባይ ንድኽነት ካብ ብመሰረቱ ዝነቅል’ዩ ዝበልኩዎ ምኽንያት ነዚ ዝዓበየን ምናልባት እዚ ኣብ ሃገርና ዝስራሕ ዘሎ ግድብ ተሰሪሑ ንኸይውዳእ ዝፅዕሩ ኢዶም ኣብ ሌብነት’ምበር ናብ ልምዓት ዘይውዕል ኣመለኛታት መራሕቲ ብስም ኣባይ ንዘካይድዎ ዘለው ምጭብርባራት ኣመልኪተ ሓሳበይ ክህብ ምግዳደይ ካብ ሌብነት ክግትኡ ንምግባርን ነቶም ኣብ ስርቂ ተዋፊሮም ዘለው ኣካላት ንምግላፅ እምበር እቲ ልምዓትስ ናይ ኩላህና’ዩ።
     ኣብ ምስራሕ ግድብ ኣባይ ካብ ዘለው ልዕሊ ሸውዓተ ትካላት ንገሊኦም ንምጥቃስ፣-
 1  ኣለማዮህ ኮንስትራኽሽን ናይ ኣቶ ኣለማዮህ ከተማ ናይ ውልቀ ትካል፤
 2ገነት ኮንስትራኽሽን ብኣመራርሓ ኣቶ ኣብራሃም ለገሰ ዝንቀሳቐስ ናይ ኣቶ ሙሉጌታ ናይ ውልቀ ትካል፤
 3 ሮኮውን ኮንስትራክሽን ኢንችሱ ብዝተባሃለ ማናጀር ዝምራሕን ኣቶ እስቲፋኖስ ዝተባሃሉ ምክትል ዝርከብዎ፤
 4ኛ  ጋድ ኮንስትራክሽን ናይ ኣቶ ገዛሀኝ ውልቀ ትካል ዝኾነን ብናይ ኣቶ ታጠቅ ትእዛዝ ዝምራሕ፤
 5  መከላከያ እንጂነሪንግ፤
 6 ሳሊኒ ኮንስትራክሽን ብእንጅነር ቨርደይ ዝምራሕ፤
 7ኛ ሃኪኮ ዝተባሃለ ብኢጣሊያዊት እንጅነር ኦርቺድ ዝምራሕን ካልኦትን’ዮም፣
    ኣብዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱ ብርክት ዝበሉ ትካላት ውሽጢ ብኣመራርሓ ዝተቐመጡ ብግልፅን ብሕብኡን መንገዲ ናይ ህዝብን ሃገርን ሃብቲ እንዳጠፋፍኡ ዝርከቡ ሰበ ስልጣን ስርዓት ወያነ ኢህወደግ እቲ ናይ ሌብነት ስራሕቶም ናይ ነዊህ ግዜ ልምዲ ዘማዕብልሉ ስለዝኾነ ብቀሊሉ መንገዲ ሂሳብ ዝገብር ኦዲተር ሒሳብ መዝገብ መርሚሩ ክረኽቦም ብዘይምኽኣሉ ክሳብ ብውሽጣ ውሽጢ እናተሽለኽሎኹ ነቲ ባዕሎም ዝሰረቕዎ ካልኦት ከም ዘጠፋፍእዎ ብምምሳል ባዕሎም ብዝዝውርዎም ቤት ፅሕፈታት መረዳእታታት፤ ሓበሬታታትን ዶክመንታሪ መዛግብትን ብዝደለይዎ መንገዲ ብምድምሳስን ብምስትኽኻልን ክሳብ ሕዚ ንቕዱስ ተግባር ተባሂሉ ካብ ጁባ ድኻታት ንዝተኣከበ ገንዘብን ንብረትን ኣብ ምስራቕ ተግባር ተዋፊሮም ይርከቡ።
    ብርግፅ ዝድንጎየ’ኳ እንተመሰለ ብርከት ዝበሉ ሓደገኛታት ሌያቡ እናተባረሩ ዘመናዊ ናይ ሌብነት ክእለት ንዘለዎምን ናይ ሰበስልጣን ካዝና ምምላእ ዝኽእሉን ዘይንቅሓሎም ኣካላት እንዳተተክኡ ከም ዝኾኑን ካብዚኦም ድማ፣-
ቀዳማይ ሓላፊ ደህንነት ዝነበረ ጀነራል ኣሰፋ ቅድም ክብል ኣብ ጣና በለስ ፕሮጀክት ክሰርሕ ዝፀንሐን ሓላፊ ክፍሊ ንብረት ኮይኑ ብርክት ዝበለ ንብረትን ገንዘብን ረቂቕ ብዝኾነ መንገዲ ክሰርቕ ዝፀንሐ እንትኸውን ሕዚ ድማ ኣብ ህንፀት ግድብ ኣባይ ሓላፊ ናይ ደህንነት ኮይኑ ኣብ ዝተመደበሉ ነመቀላጠፊ ስራሕቲ ተባሂሎም ካብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ብኽባር ወፃኢ ተገዚኦም ዝኣተው ማሽናት ብተደጋጋሚ ብምጥፍኦም ምኽንያት ናይ ጀነራል ኣሰፋ ተጠያቒነት ዘረጋገፀ ወያነ ኢህወደግ ብሕቡእ ካብቲ ቦታ ንኽቅየርን ናይ መሰናበቲ ወረቐት ንኽሰርሓሉ ተባሂሉ ኣብ ዝተኻየደ ስማዊ ናይ ሒሳብ መዝገብ መርመራ 35 ሚሊዮን ቅርሺ ኣብ ውሽጢ ሒሳብ ደፍተሩ ተረኺቡ’ዩ፣ ይኹን’ምበር ብዘይምንም ሕቶ ናብ ካልእ ቤት ፅሕፈት ክዘዋወር ብምግባር ምክትል ሓላፊ ኮይኑ ይሰርሕ ብዝነበረ ኮማንደር ደሳለኝ ክትካእ ተገይሩ’ዩ።
 ካልኣይ ኣብ ውሽጢ ወያነ ኢህወደግ ኮይኖም ብስም ማዕርነት ብሄር ብሄረሰባት ናይ ገዛእ ህዝቦም ህይወትን ንብረትን እናጥፍኡ ዝርከቡ ብኣዴን፤ ኦህዴድን ደ.ህ.ዴ.ግን ዝብል ታርጋ ካብ ዝተለጠፎም ሓደ ዝኾኑን ካብ ኦህዴድ ዝመፁ ኣቶ ማሙሽ ዝተባህሉ ኣብ ውሽጢ ግድብ ህዳሴ ናይ ክፍሊ መጓዓዝያ ሓላፊ ኣብ ዝነበርሉ ሰዓት ዝተጠቀምሉ ዓይነት ኣሰራርቓ ዘመናዊ ብዘይምንባሩ ምኽንያት ኣይኮነን ንኻዝና ወያነ ኢህወደግ ክመልኡስ ይትረፍ ናይ ባዕሎም ጁባ’ውን ክመልኡ ዘይኽእሉ ምኻኖም ዝተረድኡ ኣመራርሓ ኢህወደግ ብልሓት ብምፍጣር ኦሮሞ ስለዝኾነ ዘርኣውነት የጥቆዖን ናይ ካልኦት ብሄር ሰራሕተኛታት ይብድልን’ዩ ብዝብል ርጉፅነት ዘይብሉ ውንጀላ ምሉእ ብምሉእ ንኸየባርርዎ በቲ ዝገበርዎ ሕማቕ ኣሰራርሕኦም ደስተኛታት ዘይኮኑ ተወለድቲ ኦሮሞ ተቓውሞ ንኸየልዕሉ ብምስጋእ ሓደ ደረጃ ኣውሪዶም ምክትል ሓላፊ ገይሮም ብምቕማጥ ኣብ ክንድኦም ንኣቶ ማሪኖ ከም ሃላፊ ገይሮም ኣቐሚጦሞም’ዮም።
ሳልሳይ ጃሉካ ተባሂሉ ዝፅዋዕ ሃገራዊ ትካል ኣብ ውሽጢ ህዳሴ ግድብ ንዘለው ዝቆፃፀር እንትኸውን ብዝፈፀሞ ናይ ግዕዝይና ተግባር ብውሕዱ ካብ 350 ሽሕ ቅርሺ ንላዕሊ ብምቕባል ብቐጥታ ኣብ ዝተፈላለዩ ትካላት ዝንቀሳቐስ ንስራሕ መፈፀሚ ተባሂሉ ዝተመደበ ብርክት ዝበለ ገንዘብ ብምጥፍፋእ ኣብ መወዳእታ ነቲ ካዝና ጥርሑ ክተርፍ ድሕሪ ምግባሩ ብናይ ወያነ ኢህወደግ ስልታዊ አሰራርሓ ካብ ስርሑ ተባሪሩ ብዝብል ሸፈጥ ካብቲ ቦታ ክእለይ ምስ ተገበረ ኣብ ክንድኡ ኣመሃ ዝተባህለ ዝበኣሰ ኣጭበርባሪ ካድረ እቲ ስርዓት ነቲ ሓላፍነት ክሕዞ ተመዲቡ ኣሎ።
ራብዓይ ናይ ሓለዋን ኣገልግሎት ደህንነትን ተባሂሉ ኣብቲ ግድብ ዝተመደበን ዳሴ ድቪዥን ብዝብል ዝፅዋዕ ናይ ፌደራል ፖሊስ ዋና ኣዛዚ ኮይኑ ዝሰርሕ ዘሎ ኮማንደር ኪሮስ ዝተባህለ ኣባል ወያነ ኢህወደግ ንዝተፈላለዩ ስራሕቲ ተባሂሎም ካብ ጃፓንን ቻይናን ዝኣተው ብሚሊዮናት ዋጋ ዝግመቱ ክልተ ማሽናት ተበላሽዮም ብዝብል ምጭብርባር ታሕተዎት ኣባላት እቲ ስርዓት ክሕልውዎ ድሕሪ ምግባሩ ብለይቲ ብዘይ ምንም ፀገም ከም ዝወሰዶ ዝኾነ ሰራሕተኛ ዝፈልጦ ሓቂ’ዩ።
ሓምሻይ ኮማንደር ኣበበ ኣብ ውሽጢ ህዳሴ ድቪዥን ናይ ፌደራል ፖሊስ ምክትል ኣዛዚ ኮይኑ ዝሰርሕ ዘሎ ኮይኑ 18 መጋቢት  /2005 ዓ/ም ብግምት ለይቲ ከባቢ ሰዓት 5  ካብ ትካል ሳሊኒ ኮንስትራክሽን ብሚልዮናት ዝግመት ገንዘብ ዝተገዝኡ ጀነሬተራት ሰሪቑ ኣብ መኪና ፅዒኑ ድሕሪ ምስዋሩ 19 መጋቢት 2005 ዓ/ም ካብ ናይ ሳሊኒ ናይ ሓለዋ ሰራሕተኛታት ማለት ቀንዲ ተጠርጠርቲ ንዝበሎም 7 ሰራሕተኛታት ኣሲሩ ከሳቕዮም ድሕሪ ምፅናሕ 20 መጋቢት 2005 ዓ/ም ብናይ ባዕሉ መኪና ብምፅዓን ምንም ንዘይበደሉ መሳኺን ናይቲ ግድብ ናይ ሃለዋ ሰራሕተኛታት ኣብ ከተማ ኣሶሳ ናብ ዝርከብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ከቕርቦም’የ ብዝብል ምኽኒት ወላዃ እንተወሰዶም ኣብ በረኻ ወሲዱ ይቕተሎምስ ኣብ ቤት ፍርዲ የቅርቦምስ ክሳብ ሕዚ ዝተፈልጠ ነገር ከም ዘየለ’ዩ ዝፍለጥ።
     እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ ነቶም ዓበይቲ ጀኔሬተራት ዝፀዓነት መኪና ድሕሪ ዝተወሰነ መዓልቲ ኣብ መተከል ዞባ ኣዊ ቻግኒ ናብ ዝተባህለ ከተማ ንኽትኣቱ 16 ኪሎ ሜትር እንትተርፋ ካራ ተራራ ተባሂሉ ኣብ ዝፅዋዕ ዝዓስከሩ ናይ ሃለዋ ሰራሕተኛታት ደው ኣቢሎም እንትሓቱ ዝተበላሸዋ ስለዝኾና ናብ ፅገና እየን ዝኸዳ ዘለዋ ብዝብል ምኽኒትን ሓላፊ ንምኻኑ ዝገልፅ መለለይ ወረቐት ብምርኣይን ብዘይ ምንም ሕቶን ተፍትሽን ብምሕላፍ ሸይጥዎ ከም ዝተመልሰ ብመረዳእታ ተረጋጊፁ እንዳሃለወ ሕዝ’ውን ኣብ ዝነበሮ ስራሕ ክቕፅል ከም ዝተገብረን እዚ ድማ ስርዓት ወያነን ሰበ-ስልጣናቱን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኢትዮጵያ ቁማር ይፃወቱ ከም ዘለው ዘመላኽት ከም ዝኾነን ዘረጋግፀልና’ዩ።
   ልዕሊ ኩሉ ዘገርም ነገር ድማ ናይ ሌብነት ልምድን ተመኩሮን ዘለዎም ናይ’ቲ ስርዓት ኣባላት ዝኾኑ ኮማንደር ኣበበን መሓዙትን ቅድም ክብል ኣብ ክልል ኣምሓራ ፖሊስ ኮሚሽነር ዝነበረ ንኮማንደር ደሳለኝ ኣብ ውሽጢ ህዳሴ ግድብ ናይ ሴኩሪቲ ማናጀር ኮይኑ ይሰርሕ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ልዕሊ ዓቀን ዝኾነ ናይ ግዕዝይና ተግባር ፈፂሙ እናሃለወ ኣብ ኣሰራርቓ ጥበብን ብልሓትን ስለ ዘይተጠቕመ 12 መጋቢት /2005 ዓ/ም ኣብ ልዕሊኡ ኣብ ዝተገብረ ገምጋም ብሚሊዮናት ዝግመት ገንዘብ ብምስራቑ ክባረር ተገይሩ እኳ እንተተባሃለ ድሒሩ ግን ናይ ቦታ ለውጢ ጥራይ ከም ዝተገብሮ ዝተረድአ ኮማንደር ኣበበ ንኮማንደር ደሳለኝ ምስ 5 መናእሰይ ሰራሕተኛታት ብምዃን ሳሊኒ ዝጥቀመሉ ዝነበረ ዓብይ ጀኔሬተር ሰሪቑ ሸይጥዎ’ዩ ኢሉ ምዝራቡ ክንደየናይ ነንባዕሎም ክረዳድኡን ክናበቡን ከም ዘይካኣሉ ምግማት ይከኣል።
ሻድሻይ ኮማንደር የማነ ይበሃል ኣብ ግድብ ህዳሴ ናይ ፌደራል ፖሊስ ኣዛዚ ሻለቃ’ዩ። እዚ ውልቀ ሰብ’ዚ ኣብቲ ፕሮጀክት ናይ ዝርከብ ቤት መግቢ ከም ማናጀር ኮይኑ ምስ ዝሰርሕ ኣቶ ተመስገን ምስ ዝተባሃለ ውልቀሰብ ተሻሪኹ ናይቲ ሆቴል 400 ሽሕ ጠቕላላ ካፒታል ድሕሪ ምክፍፋሎም። ንኣቶ ተመስገን ንማእኸል ሃገር ኣፋንዩ ክርሕቕ ድሕሪ ምግባር። እቲ ዝተጠፋፍአ ገንዘብ ብኣቶ ተመስገን ከም ዝተወስደ ኣምሲሉ ንብዓሉ ነፃ ክኸውን ብምግባሩ ክሳብ ሕዚ ኣብ ቦትኡ ክፀንሕ ክኢሉ’ዩ።
ሻውዓይ ኮማንደር ኣብርሃ ኣብ ህዳሴ ግድብ ናይ ምዕራብ ድቪዥን ናይ ፌደራል ፖሊስ ኣዛዚ ኣቶ ዋሲሁን ምስ ዝተባህለ ናይ ሳሊኒ ዋና ኣማሓዳሪ ምስ ዝነበረ ብምምሽጣር ናብ’ቲ ዝስራሕ ዘሎ ፕሮጀክት ኣትዮም ክሰርሑ ንዝሃቱ ሰራሕተኛታት ተወለድቲ ብሄር ኦሮሞ እንተዘይኮንኩም ኣብዚ ስራሕ ኣይትኣትውን ኢኹም ብዝብል ፅዕንቶታት ፈጢሮም ጉቦ ከም ዝበልዑን ኣከፋፍላ እቲ ጉቦ ድማ ኣብቲ ቦታ እንዳሰርሑ ብስውር ክኸፍሉ ብምግባር ክሳብ 120 ሽሕ ክቕበሉ ክኢሎም’ዮም።
እቲ ዝዓበየ ግን ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ጉምዝ ኣብ ወረዳ ጉባ ብርክት ዝበለ ናይ ሕርሻ ቦታ ብሚሊዮናት ዝቑፀር ገንዘብ ድሕሪ ምሻጥ ንኣቶ ዋሲሁን ከም ዝተነቕሃሉ ምስተፈለጠ ካብቲ ከባቢ ክስወር ከም ዝገበሮን ድሒሩ ሰሪቑ ተሰዊሩ ብምባል ናይ ኣዳልዩና ምልክታ ክመዘመሓላለፈን ይፍለጥ።
ሻምናይ ኮማንደር ብርሃነ ዝተባህለ ኣብ ግድብ ህዳሴ ናይ መበል 2 ሻለቃ ዋና ኣዛዚ ኮይኑ ኣብ ስራሕ’ቲ ናይ’ቲ ግድብ ብመዓልታዊ ሰራሕተኛነት ንትመሓደር ገነት ዝተባሃለት ሰራሕተኛ ሳሊኒ ኣብ ዝተባህለ ናይ ጣሊያን ኩባንያ ዝሰርሕን ኣብ ትሕቲ ሚስተር ኣርዳይ ዝሰርሕ ሚስተር ኦርጋ ዝተባህለ ባዓል ሞያ ኮንስትራኽሽን 18/ ሕዳር  2005 ዓ/ም ነውራም ብዝኾነ መንገዲ ክብሪ ንፅህንአ ከም ዝደፈራን ነዚ ዘነውር ፍፃመ ዝፈለጡ መሓዙታ  ንኮማንደር ብርሃነ ወላኳ ብዝርዝር እንተሓበርዎ ኮማንደር ብርሃነ እታ መንእሰይ ብሚስተር ኦርጋ ከም ዝተደፍረት ድሕሪ ምርግጋፅ ነታ ተበዳሊት ወገን ንውልቃ ወሲዱ ኣብዚ ብሮጀክት ንዝሰርሑ ካብ ወፃኢ ንዝመፁ ሰባት ምዝርራብ ክልክል’ዩ፣ ሰውነትኪ ክትሕልዊ ነዩሩኪ ኢሉ ብምፍርራሕ ንትራንስፖርት ዝኸውን ገንዘብ ካብ ጅቡኡ ኣውፂኡ ብምሃብ ብተሎ  ናብ ማእኸል ሃገር ክትከይድ ድሕሪ ምግባር። ንሚስተር ኦርጋ በቲ ዝፈፀሞ ወንጀል ንልዕሊ 8 ዓመት ከም ዘእስሮን ብገንዘብ እንተኾይኑ ድማ ብርክት ዝበለ ገንዘብ ከም ዘቕፀዖን ምስ ተዛረቦ ሚስተር ኦርጋ ዝኸፍሎ ገንዘብ ከም ዘይብሉ  እንተኾነ ግን ምስ ኮማንደር ብርሃነ ብምስምዕማዕ። ናብቲ ግድብ ካብ ዝኣተው ኩቡራት ኣቑሑት ብሕቡእ ኣውፂኡ ክሸይጥን በዚ ድማ ልዕሊ 3 ሚኢቲ ሽሕ ብር ክረክብ ከም ዝተሓባበሮን ተበዳሊ ገነት ግን ኣብ’ቲ እዋን ስራሕ ኣቋሪፃ ካብቲ ቦታ ስለ ዝለቐቐት ብናሕታ ስም ንዝረኸቦ ገንዘብ ንውልቃዊ ረብሕኡ ከም ዘውዓሎ ኣብ ውሽጢ’ቲ ግድብ ካብ ዝሰርሑ ወገናት ክፍለጥ ተኻኢሉ’ዩ።
    እዚ ተግባር’ዚ ኣብ ውሽጢ’ቲ ግድብ ዝተፀሙ ገበናት እንትኾኑ ብ7 ጥሪ  / 2006 ዓ/ም እውን ንርሒ ኣባይ ግድብ ተባሂሉ ብቑፅሪ ታርጋ ኮድ 3 – 66303 ኣ/ኣ ብዝኾነት መኪና ተፃዒኑ ዝነበረ ቴንዲኖ፤ ጣውላ፤ ባዴላን ካልኦት ናይ ህንፃ መሳርሕን ቅድሚ ናብ ዝተመደበሉ ቦታ ምብፅሑ ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ከተማ ባህርዳር ኣይተ ፍቕሩ ኣሰፋ ንዝተባህለ ውልቀ ነጋዳይ ተሸይጡ እንትራገፍ ኣብ መንጎ መራገፍቲ ሸቃሎን እቲ ገዛኣይን ብዝተፈጥረ ጎንፂ ምኽንያት ብፖሊስ ክታሓዝ ምኽእሉን እቲ በዓል መኪና’ውን መኪንኡ ደው ኣብ ዝበለቶ ገዲፉ ካብቲ ቦታ ተሰዊሩ’ዩ።
  ብዝኾነ ኮይኑ ስርዓት ወያነ ኢ.ህ.ወ.ደ.ግ እቲ ናይ ሓሙሽተ ዓመት ናይ ዕብየትን ስግግርን ፕሮግራም ንምፍፃም ኢሉ ላዕልን ታሕትን ዝብለሉ ዘሎ ስራሕቲ ንገዛእ ህዝቡ ኣደናጊሩ መፃኢ ዓመት 2007 ዓ/ም ንዝካየድ ምስሉይ መረፃ ንምድላው’ምበር። ንህዝብን ሃገርን ንምጥቃም’ሉ ዘካይዶ ዘሎ ዘይምኻኑ ምርድኡ ኣገዳሲ’ዩ፣ ምኽንያቱ ንህዳሴ ኣባይ ድሕሪ ምስርሑን እቲ መረፃ ባዕሉ በዝደልዮ መንገዲ ድሕሪ ምፍፃሙን ፅባሕ እቲ ካብ’ቲ ግድብ ዝርከብ ኣታዊ ይኹን ካብ ካልኦት ምንጭታት ዝርከብ ሃብቲ ሃገር ኣብ ጁባ ውልቀ ሹመኛታት ከም ዝውዕል ርዱእ ነገር ስለ ዝኾነ።