Thursday, May 8, 2014

ኣብ ኩለን ዞባታት ትግራይ ብላዕለዎት ሰበስልጣን ወያነ ኢሕወዴግ ዝካየድ ዘሎ ሙስሉይ እኼባ ብህዝቢ ተቐባልነት ከም ዘይረኸበ ተገሊፁ።



እዞም ብእንግድዓ ህዝቢ ተበሊፆም ናብ ስልጣን ዝደየቡ ሰበስልጣን ወያነ ኢህወዴግ ኣብ ኩለን ዞባታት ትግራይ እናተዘዋወሩ  ዳግም ህዝቢ ንምትላል  ኣኼባ  የካይዱ ምህላዎም ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ እንተኾነ   እቲ ተኣካባይ ህዝቢ  “ን23 ዓመት ዓመት መመላእታ ኣበይ ወዲቕኩም? ከመይ ኣለኹም?ኢልኩምና ዘይትፈጡ ሎሚ ክንክሕሰኩም መፂና  ምባልኩም ኣብ ህዝቢ ዘለኩም ንዕቐትን ምብጫውን ዘመላኽትዩ ምባሎም ካብቲ ከባቢ ዝበፀሓና ሐበሬታ ኣመልኪቱ።
  ወሲኾም እዞም ተሳተፍቲ ናይቲ ኣኼባ ኣብቲ ስርዓት ዝረአ ዘሎ ፀገም እንትገልፁ  “ ሰናይ ምምሕዳር የለን፤ስራሕ ብዘመድ ኣዝማድ ኮይኑ ፤ጉድኣት ኩናት ተረሲዕም፤” ዝብሉን ካልኦት ሕቶታትን ምቕራቦም ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ እቶም ነቲ እኼባ ዝመርሑ ዝነበሩን ብጉጅለ ኣዲስ  ኣባባ ዝፍለጡ  ሰበስልጣን ፤ስዩም መስፍን፤ስብሃት ነጋ፤ ፀጋይ በርሀን ኣባይ ፀሃየን ካልኦትን  ነቲ ብህዝቢ ዝቐረበ  ሕቶታት እንትምልሱ  “ ጎደለታትና ከነስተኻኽሎ እና”  ክብሉ ዘይትግበር ምስሉይ ምላሽ ከምዝሃቡሉ ክፍለጥ ተኻኢሉ።
      እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ብፍላይ እዞም ላዕለዎት ሰበ ስልጣን  ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ንነበርቲ  ከተማ ሽረ  ኣኼባ  ምክያዶም ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ እንተኾነ እቲ ኣብቲ  ኣኼባ  ዝቐረበ ሓሳብ   ህዝቢ ከምዘይተቐበሎን  ብዘይ ሓደ ፍረ ምብታኑን ድሕሪ ምጥቃስ እቲ ናይ ኣኼባ እዋን ድማ ህዝቢ ፀሎት ኣብ ዝገብረሉን  ሃይማኖታዊ  በዓል ኣብ ዘኽብረሉ ኣብ ሓሙስ ፅግቦ፤ ዓርቢ ስቕለትን ቀዳም ስዑሩን ናብ ኣኼባ  ንኽወፅእ  ምግዳዶም ህዝቢ  ከም ዝተቓወሞ እቲ ዝበፃሓና ሓበሬታ ገሊፁ።