እቲ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ካብ መራሕቲ ክፍለ
ሰራዊት ንላዕሊ ዝተረኸብሉ ገምጋማዊ ኣኼባ ኣብ ዉሽጢ ቤት ፅሕፈት ምክልኻል ሰራዊት ግዕዝይና ካብ ላዕሊ ክሳብ ታሕቲ ተስፋሕፊሑ
ከም ዝርከብ ድሕሪ ምግላፅ እዙይ ዝወለዶ ከኣ ኩሉ ዝግበር ንጥፈታት ብስራሕ ኣንፃር ዘይኮነስ ወዲ ብሄረይ ወዲ ዓደይን ግበረይ
ክገብረልካን ብዝብሉ ዝተዓብለ ኮይኑ ንዉሽጣዊ ርከቦም ገማምዑ ክረዳድኡ ኣብ ዘይኽእሉ ደረጃ በፅሖም ከም ዘለዉ ካብ ዉሽጢ
ስታፍ ልሒኹ ዝበፀሓና ሓበሬታ ገሊፁ።
እቲ ብጀኔራል ሳሞራ የኑስ፤ ስራጅ ፈርጌሳን
ሃይለማርያም ደሳለኝን ዝተመርሐ ኣኼባ ብወጥርን ምጥምማትን ተዓብሊሉ ክካየድ ኣብ ዝተፍተነሉ ብተኣከብቲ ካብ ኣባላት ሰራዊት
ንህዳሰ ግድብ እናተበሃለ ክዋፃእ ዝፀንሐ ገንዘብ ኣብ መዓልኡ ከይወዓለ ጄነ/ል ሰዓረ መኮነን እዩ በሊዕዎ ነቲ ገንዘብ ከም
ዝበለዖ ንዝፈልጥ ኣማኻሪኡ ኮኔረል ወዲ ዓፋር ምእንቲ ምሽጥር ከየዉፅእ ገንዘብ ስለ ዝሃቦ ኣብ ከተማ መቐለ ብልዕሊ 1.5
ሚልዮን ብር ገዛ ሰርሑ ስለ እዙይ ሰዓረ ብሕጊ ክሕተት ኣለዎ እኳ እነተበሉ ነቲ ሓሳብ ዝድግፉን ዘይድግፉን ስለ ዝነበሩ ካብዚ
ብምብጋስ ኣብ ክልተ ጉጅለ ተመቒሎም ኣፈላላዮም ከየተፈተሐ ከም ዝተበተኑ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ኣፍሊጡ።