ብመሰረት እቲ ሓበሬታ እዞም ኣብ ግምባር ቡሬ
ዝርከቡ ወተሃደራት ጉጅለ ኢህወዴግ ብሓለፍቶም ብተደጋጋሚ
ኢሰብኣዊ ዝኾነ ግፍዕታት ይወርዶም ምህላዉ ድሕሪ ምግላፅ ከም ውፃኢቱ ድማ እዞም ብዱላት ዝኾኑ ወተሃደራት ኣብ ልዕሊ ሓለፍቶም
ናይ ምቕታል ስጉምቲ ይወስዱ ምህላዎም ተፈሊጡ።
እቲ ሓበሬታ ኣስዒቡ ካብቶም መራሕቶም ዝቐተሉ ሓደ ወተሃደር ይታያል
እንትኾን ንሱ ነቲ ስርዓት ራሕሪሕዎ ክጠፍእ እዩ ብዝብል ጥርጠራ ካብ ዓይኖም ኣርሒቑ ከይኸይድ እቶም ሓለፍቱ
ይከታትልዎ ከም ዘለዉ ምስ ፈለጠ ብ14 መሰከረም 2007 ዓ/ም
ነቲ መራሒ መስርዑ ሓዊሱ 3ተ ሓለፍቲ ከም ዝቐተለ
ተገሊፁ።
እዚ ብወተሃደራት እቲ ገዛኢ ጉጅለ ኣብ ልዕሊ መራሕቶም
ዘካየድዎ ዘለዉ ናይ ምቕታል ስጉምቲ ኣብ ግምባር ቡሬ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ኩሉን ኣሃዱታት ሰራዊት ኢሕወዴግ ዝፍፅም
ዘሎ ምዃኑ ምንጭታትና ኣብ መወዳእታ ገሊፆም።