ብመሰረት ሓበሬታ ምንጭታትና ነባሪ ህዝቢ ኣዲስ
ኣበባ ምስ ወሰኽ ደሞወዝ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ተኣሳስሩ ዕለታዊ ህይወቱ ንምምራሕ ዘድልይዎ ሃለኽቲ ነገራት ድህሪ ሓዱሽ ዓመት
ምእታዉ ዋግኦም ካብ ዕለት ናብ ዕለት እናወሰኸ ብምምፅኡ ዕዳጋታት እታ ከተማ ክረጋጋእ ብዘይምኽኣሉ ዘድልይዎ ጠለባት
ብተመጣጣኒ ዋጋ ክዕድግ ስለ ዘይከኣለ ነዚ ፍታሕ ክግበረሉ ህዝቢ ብወከልቱ ኣቢሉ ናብ ዝምልከቶ ኣካል ጥርዓን ኣብ ዘስምዓሉ
ተቓዉሞ ክተልዕሉ ስለ ዝደለኹም ኢኹም ብዝብል እናቐጥቀጡ ይስጎጉን ይእሰሩን ከም ዘለዉ ኣረዲኡ።
እቲ ሓበሬታ ወስኹ ከም ዘመላኽቶ። ካደረታት
ገዛኢ ጉጅለ ኢህወዴግ ብዛዕባ መፃኢ መረፃ 2007 ዓ.ም ኣመልኪቶም ጎስጓስን ምልዕዓልን ንምክያድ ኣብ ክፍለ ከተማታት ቦሌ፤
ኣቃቂ፤ ቃሊትን ካልኦትን ዝነብር ህዝቢ ብ8 መስከረም 2007 ዓ.ም ኣብ ዘኣከብሉ ተኣካቢ ህዝቢ ድማ ንሕና ሕዚ ዘድልየና ዘሎ
ዳቦ ንደቅና እምበር ኣኼባ ኣይኮነን ብምባል ነቲ ኣኼባ ክመርሑ ንዝመፁ ስባት ኣብ’ቲ መእከቢ ኣዳራሽ ራሕርሐዎም ከም ዝኸደ
ንምፍላጥ ተኻኢሉ።