እቲ ኣብ ከተማ መቐለ ንኹሎም ኣዘዝቲ ኣሃዱታት ኣብ ዝተረኽቡሉ
ዝካየድ ዘሎ ኣኼባ ብጀነራል ገብራት ኣያለ ዝተመርሐ ምዃኑ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ ኣጀንዳ ናይቲ ኣኼባ ድማ ስለ ምንታይ ወተሃደራትና
ብበዝሒ ይጠፍኡ ኣለዉ ዝብል ከም ዝነበረን በቶም ተኣከብቲ ሓለፍቲ ዝተውሃበ መልሲ ድማ መንግስቲ ንሰራዊት ዝኣተወሎም መብፀዓ ከተግብሮ ሰለ ዘይከኣለን ንዓና ድማ ከም ሓሰውቲ ሰለ ዝቖፀሩናን እዮም ክብሉ ምግላፆም ተፈሊጡ።
እዞም ኣዘዝቲ ወሲኾም ቅድም ክብል
ብመንግስቲ ንኹሎም ወተሃደራት ዝተኣተወሎም መብፀዓታት መንበሪ ገዛ ከም ዝስረሓሎም፤ ማሕበራዊ መነባብሮኦም
ንኽመሓየሽ ዝተፈላለየ ጥቕማጥቕሚ ከም ዝዋሃቦም ዝብሉን
ካልኦትን ከም ዝኾኑ ድሕሪ ምግላፅ
እንተኾነ እቲ ጀነራል ብወገኑ መሃያ ወስኽና ኢና ሰለ’ዚ እቲ ፀገም ሓለፍቲ ምክትታል ሰለ ዘይገብሩ እዮም
ክብል ከም ዝነቐፎም ተገሊፁ።
እቲ ሓበሬታ ኣብ መወዳእታ እቲ ኣኼባ ናብ ታሕቲ ወሪዱ ኩሉ እቲ ሰራዊት ክመያየጠሉ ከምዘለዎ እቲ ጀነራል መምርሒ ድሕሪ ምውራዱ ገለ ተኣከብቲ ድማ ዕላማ እዚ ኣኼባ ኣንፃር እቲ ስርዓት ምንቅስቓስ ኣለዎም ኢሎም
ንዝጠርጠርዎም ሓለፍቲ ሓዊሱ ወተሃደራት ንምእሳር ዝዓለመ እዩ ክብሉ
ብዉሽጢ ዉሽጢ ይዛረቡ ምህላዎም ተፈሊጡ።