Monday, December 29, 2014

ህዝብን ንሶምን



ህዝቢ ኢትዮጵያ ምእንተ ፍትሒ ሰላምን ዴሞክራሲን ክብል ካብ ንብረቱ ክሳብ መተካእታ ዘይብላ ህይወቱን ህወት ደቁን ከበድ ዋጋ እናኸፈለ ዝመፀ እንትኸውን ብሰንኪ እቶም ነቲ ዝኸፈሎ መስዋእቲ ተበሊፆም በቢእዋኑ ናብ ስልጣን ዝተጠኾየጡ ስርዓታት ግን ከረጋግፅ ኣይከኣለን።
 ከም ናሃቱ መቐፀልታ ‘ዉን ኣብ ስልጣን ዝርከብ ውልቀ-መላኺ ስርዓት ኢህወዴግ ነቲ መላእ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዝተቓለሰሉን ተስፋ ኣምቢርሉ ዝነበረን ኣብ ሃገርና ህዝባዊ መንግስቲ ኣቚሙ ሰላምን ዴሞክራሲን ሰፊኑ ፍትሒን ሰናይ ምሕደራን ክነግስ ዝነበሮ ሓንቀውታ ክብርዕን ግዜ ኣይወሰደሉን።
እዚ ንልዕሊ 23 ዓመታት ህዝብን ሃገርን ብማሓውራት ፀጥታኡን ካድረታቱን ጓዕፂፁ ብምሓዝ ብጀካይ መን ኣሎ “ዛ’እንባይ መን ይወርሳ” ዝዓይነቱ ትምክሕቲ ዝዓብለሎ ኣታሓሳስባ ሰኒቑ ኣብ ጭው ዝበለ ናይ ግዕዝይና ተግባራት ጥሒሉ ውልቃዊ መነባብሮ ሰበስልጣንን ሰዓብቶምን ብሃፍቲ ህዝብን ሃገርን መሬት ኣይትኹንኒ ይብልዋ ዘለው።
ህዝቢ ኢትዮጵያ ነዚ ብመራሕቲ ኢህወዴግን ሽሞኛታቶምን ዝፍፀም ዘሎ  ላዕሉ እንትረአ ልምዓት ዝመስል ውሽጡ ሃገር ዘዕኑ ተግባር ካብ ላዕሊ ካሳብ ታሕቲ ኣማሓዳሪ ጣቢያ ብሰንሰለት መርበብ ብምፍጣሮም ህዝቢ ነቲ እከይ ተግባሮም ከየቃልዕ ኣፉ ተለጒሙ ኣጋጣሚ ረኺቡ እንተቃልዕ እውን ወለኻ እናተባሃለ መነበርኡ መሬት እንትንቆት መነባብርኡ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናበኣሰ ይኸይድ ኣሎ። 
እዚ ኮይኑ እናሃለወ ምስሉይ ፓርላማ ኢህወዴግ ይኹን ነቲ ፓርላማ ዘሽከርክሩ ህወሓት፤ብኣዴን፤ኦህዴድን ድህዴንን ብሽም ኢህወዴግ ግንባር ብምፍጣር ህዝቢ ኢትዮጵያ ዘይረኸቦን ዘየስተማቐሮን ልምዓትን ሰናይ ምሕደራን ከም ዘሎን ከም ዝማሓየሽን በብደረጀኦም እንትዛረቡ ተሰሚዖምን ይስምዑን ኣለው።
እንተ ሰበስልጣን ኣብ ስልጣን ናይ ዝርከብ ገዛኢ ውድብ ኢህወዴግ ብፍላይ ከኣ ኣብቲ ብናይ ኢህወዴግ ውሽጣዊ ኣሰራርሓ ተወዲኡ ዝመፀን ግን ከኣ ብሃይለማሪያም ደሳለኝ ኣቢሉ ብዛዕባ ባህሪያት ኢህወዴግ ኣብቲ ምስሉይ ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ክገልፅ ፈቲኑ።
ሃይለማሪያም ደሳለኝ ሕንኽ እንከይበለ ብዛዕባ ባህሪያት ኢህወዴግ እንትገልፅ “ኢህወዴግ ናይ ዴሞክራሲ፤ ልምዓትን ሰላምን ቀንዲ ተዋሳኣይ ህዝቢ እዩ ኢሉ ኢህወዴግ ዝኣምን” ክብል ተዛሪቡ ግርም ዘረባ  እዩ ዘብል፣ ህዝቢ ኢትዮጵያ ምስ ኢህወዴግ መዓስ’ዩ ተመያይጡ እቲ ዝበሃል ዘሎ ምይይጥ ህዝቢ ሸጊርዎ መነባብርኡ ከፊኢዎ ኣብየት ክብል እንከሎ እንታይ ተረኸበ ዘይብሉ ግና ገንዘብ እንተድልዮን ተቓወምቲ ውድባት ጥንክር ኢሎም እንትወፁን ኣብ ውሽጢ ኢህወዴግ ብዝፍጠሩ ናይ ፖለቲካ ኣፈላላያት እንትሕመስ ከምኡ’ውን ምርጫ ቀረበ ክበሃል እንከሎ ዝግበር ጉያ ጉያ እንተኾይኑ እወ ብዝተረፈ ግና ህዝቢ ብስርዓትና የንፀርፅር ኣሎ ንስማዓዮ ዝብል ብቕንዕና  ዝተገበረ ህዝባዊ ርክብ የለን፣ ህዝቢ’ውን ኣይፅበዮን ባህሪያት ገዛኢ ውድብ ኢህወዴግ ኣፀቢቁ ስለዝፈልጦ።
ኣብ’ዚ ሓፂር ፅሑፍ ብዛዕባ ባህሪያት ኢህወዴግ ዘርዚርካ ንምግላፅ ዝከኣል ኣይኮነን ኢህወዴግን ኢህወዴግ ዝመርሖ ስርዓትን ንህዝቢ ይቕሬታ ምሕታት ልሙድ ተግባሩ እዩ ክብል ሃለማሪያም ደሳለኝ ክዛረብ ተሰሚዑ ኢህወዴግ ብባህሪኡ ይቕሬታ ሕተቱኒ ዝብል’ምበር ይቕረ ዘይብልን  ህዝቢ  ዝጭፍጫፍን  ፀረ-ህዝቢ ስርዓት ምዃኑ ነቲ ኣብ ኩለን ከባቢታት ሃገርና ብፍላይ ከኣ ኣብ ደቡብ ኢትዮጵያን ጋምቤላን ዝፍፅሞ ዘሎ እከይ ተግባር ናይ ይቕሬታ ባሃላይነት መግለፂኡ ደኾን ይኸውን?
ሎሚ ኣብ ሃገርና ኢትዮጵያ ብኣማኢት ኣሽሓት ንፁሃት ዜጋትት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘሳቒ ዘሎን ብኣማኢት ዝቑፀሩ ወገናት ኣብ ኣደባባይ ዝቐዘፈ፤ ብርክት ዝበሉ ከኣ ብስውር ዘጠፈአ፤ ብዙሓት ሰብ-ሞያ ንሃገሮምን ህዝቦምን ከገልግሉ ዝኽእሉ ንሰደት ዘቃለዐ ውልቀ-መላኺ “ድሕረይ ዳንዴር ኣይትብቖላ ዝበለት እንስሳ” ዝዓይነቱ ኣካይዳ ዝከይድ ዘሎ መብረሲ ወለዶ ዶ ኣይኮነን ስርዓት ኢህወደግ።
ኢህወዴግን እቲ ብኣነነት ዝተወጠረ ፓርላማን ሽሕ’ኳ ኣጋር ውድባት ኢህወዴግ ዝበሃላ ናይ ዝተወሰና ክልላት ጋምቤላ፤ ዓፋር፤ ሶማሌን ሃረሬን ዝኣመሰላ ግበራ ኣይትግበራ ዝበሃላ ንስሙ ዝተወደባ ፓርቲታት ንይምሰል ዘይፈደራሊዝም ፌደራሊዝም ብዝተሰመየ ስርዓት ዝመርሐኦ ህዝብን ክልልን ብካድረታት ኢህወዴግ ዝዝወራ ምዃነን ካብ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዝተሰወረ ኣይኮነን፣ ክስወር እውን  ኣይኽእልን።
እዚ ኮይኑ እናሃለወ ጎረባብቲ ሃገራት ተመኩሮ ፌዴራሊዝም ክቐስማ ናብ ሃገርና ይመፃ ኣለዎ ዝብል ውቁብ ቃል ክትሰምዖ ባህ ዘብል እኳ እንተኾነ እንተ ብዛዕባ ፌዴራሊዝም ተመኩሮ ክቐስማ እንተይኮነስ ኣብ ውሽጢ ሃገረን ብሰንኪ ዘሎ ፖለቲካዊ፤ ወተሃደራውን ቁጠባውን ቅልውላው ንስርዓታተን ሓደጋ ዝኾንወን ተቓወምቲ ብኸመይ ከም ዝጭፍልቓ ተመኩሮ ንምውሳድ እዩ።
ብጭቡጥ ከኣ እተን ሃገራት ኣብ ሕድ ሕድ ኲናት ዝርከባ ምስ ምዃነን ተመኩሮ ፌዴራሊዝም ንምውሳድ ኣይኮነን፣ እቲ ምንታይ ኣብ ሃገርና ኢትዮጵያ ከፋፋላይ ስርዓት’ምበር ትኽክለኛ ስርዓት ፌዴራሊዝም ከምዘየለስ ኩሉ ኩሉ ዝፈልጦ ሓቂ እዩ።
ካልእ ኣብቲ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ዘይውክል ምስሉይ ናይ ስርዓት ኢህወዴግ ፓርላማ  ኩለን ኣብ ሃገርና ክሰርሐን ዝወጠነን ናይ ልምዓት ስራሕቲ ብናይ ሃገርና ፋይናንሳዊ ዓቕሚ  ዘይህነፃ ክንሰን ነቲ ካብ ገበርቲ ሰናይ መንግስታት ብሓገዝን ብልቓሕን ዝርከብ ኣብ መዓልኡ ከይወዓለ ብኣቛራጭ መበልፀጊ ሰበስልጣንን መሻርኽቶም ኮንትራክተራትን ኮይኑ ብቢሊዮናት ዝግመት ገንዘብ ኣብ ወፃኢ ተኸዚኑ እቲ ዝተሓሰበ ልምዓት ከኣ ተጓቲቱ መንደቕ እናረኣየ ብተስፋ ንህዝቢና ንምትላል ካብ ዝጥቀመሉ ሓደ እተን ኣብ ሓሙሽተ ዓመት ተዛዚመን ፍሪያተን ንወፃኢ ብምላኽ ናይ ወፃኢ ሸርፊ ከምፅኣ ዝተበሃላ 10 ፋብሪካታት ሽኮር ኣብ ስራሕ ዘይምውዓለን ሓደ ዓብዪ ኣብነት እዩ።
እዘን ፋብሪካታት ሽኮር ህንፃታተን ተዛዚሙ ስርሐን ክጅምራ ዘይምኻለን እቲ ሽግር እቲ ንዐአን ዝተመደበ በጀት ብሰበስልጣንን ኮንትራክተራትን ስለዝተጠፋፈአ ኮይኑ እናሃለወ እቲ ስርዓት ግና በቲ መቓልሕ ኢህወዴግ ዝኾነ ሃይለማሪያም ደሳለኝ  ኣብቲ ጉዳይ ኣመልኪቱ ኣብቲ ምስሉይ ቤት ምኽሪ እንትመፃደቕ ናይ ውሽጢ ዓድን ወፃዕተኛታት ኮንትራክተራትን ናይ ኣፈፃፅማ ዓቕሚ ሽግር ምዃኑ ተዛሪቡ፣ እዚ ግና ከምቲ ዝተበሃለ እንተይኮነስ ኣብ ስልጣን ዝርከብ ገዛኢ መንግስቲ ኢህወዴግ ብግዕዝይና ዝተጨማለቐ መዕገቲ ዝተሰኣኖ ቀይዲ በተኽ ስርዓት ብምኳኑ እዩ፣ ነዚ ከኣ ህዝቢ ኢትዮጵያ ልቢ ክብሎ ኣለዎ፣ ስለዚ ባህሪያት ኢህወዴግ ከምቲ ዝብሎ እንተይኮነስ ባህሪኡ ፀረ-ህዝቢ ከፋፋላይ ኣብ ማዕርነትን ሓድነትን ህዝብታት ዘይኣምን መምሰላይ መንግስቲ ብምዃኑ እቲ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ንምድንጋርን ናይ ተስፋ ሕንባሻ እናተዛረበ ዕድመ ስልጣኑ ንምንውሕ ካብ ዝጥቀመሎም ናይ ልምዓት መደባት እናበለ ብዝሕንፅፆም ዘይትግበሩ ብርሑቕ ይኹን ብቐረባ ህዝቢ ዘይጥቀመሎም ናይ ውልቀ- ንብረት ሰበስልጣንን መሻርኽቶም ወፃእተኛታትን እዩ።
እዚ ሃገርና ዝገዝእ ዘሎ ስርዓት ኢህወዴግ ከምቲ ልዕል ክብል ተገሊፁ ዘሎ ግዕዝይና ቀንዲ መግለፂኡ ስለዝኾነ ህዝብና ፍትሒ፤ ሰላምን ዴሞክራሲን ሓሪምዎ መዓልታዊ ክጎሳቖል ይረአ ኣሎ።
ህዝቢ ኢትዮጵያ ሰላምን ፍትሒን ዴሞክራሲን ተዝረክብ ኣብ መነባብርኡ ለውጢ ምተራየ ሰላም እንተዝሕሉ ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ሃገሩ ተዘዋዊሩ መነባብርኡ መማሓየሸ ዴሞክራሲ እንተዝህሉ ህዝቢ ብብሄሩ እናተመመየ ከካብ ዝነበረሉ ክልል ንዓመታት ዘጥሮዮ ሃብትን ልሙዕ መሬቱን ኣይምተፈናቐለን።
እዚ ከምዚ እናሃለወ ኣብ ስርዓት ኢህወዴግ ሃገራዊ ሓድነት ዝብል ቦታ ዘይብሉ ንስማዊ ኣብ መድረኽን ኣብ መስኮት ቴሌቪዥን ጥራሕ ዝንገረሉን ባንዴራና ባንዴራና ክብሉን ንህዝቢ ኣገዲዶም ክዝምር እንተገበሩ ፍፁም ነቲ እከይ ተግባሮም ዝኽውል ክኸውን ኣይኽእልን።
ኢህወዴግ እቲ ቀንዲ ናይ ግዕዝይና መሰረቱ መሬት ኮይኑ ደቂ ሃገር ናይ ሕርሻ መሬትን ገዛ መስርሒ ቦታ እንትሓቱ ፅበት መሬት ከምዘሎ እንትንገሮም ከኣ ኣብ መገዛእ ሃገሮም ብሰንኪ ግዕዙይ ምሕደራ መሬት ብምሳኖም ናብ ስደት የምርሑ ኣብ ዓብዪ ሽግር ከኣ ይወድቁ ኣለው።
 እንተ እቶም ሃገርን ህዝብን ዝምዝምዙ ዘለው ንሳቶም ዝመርሕዎ ግዑዙይ ስርዓቶምን ግና ናይ መሬት ባንኪ ብዝብል ልዕሊ 3.6 ሚሊዮን ሄክታር ንመሸጣ ኣዳልዮም ንወፃእተኛታት መሬት ኣለና ሕሱር ናይ ሰብ ጉልበት ኣለኩም መፂኢኹም ኢንቨስት ግበሩ እናበሉ ድኻ ህዝቢ ኢትዮጵያ ንመዓልቲ ብትሕቲ ሓደ ዶላር ኣመሪካ ምስ ናይ ጉልበቱ ድኻምን ምስቲ ዝርከብ ፍርያትን ዘይጠዓዓም ክፍሊት ንተዓፃፃፊ መኽሰብ ወፃእተኛታት ኣብ መሬቱ ከም ጓና እናሰረሐ መበልፀጊ ሰበስልጣን ውልቀ-መላኺ ስርዓት ኮይኑ ኣሎ።
ምርጫ ዝምልከት
ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣብ ከምዚ ዝበለ ሽግራት እናሃለወ ንሳቶም ግና ሕዚ’ውን ብዛዕባ ኣብ ወርሒ ግንቦት 2007 ዓ/ም ክካየድ እዩ ዝብልዎ ግና ኣቐዲሙ ዝተፈፀመ ምርጫ ዝምልከት በቲ መደናገራይ ዘረበኦም ፍትሓዊ፤ ሰላማዊን ዴሞክራሲያዊን ከም ዝኸውን ይዛረቡ ኣለው ኣየናይ ምርጫ እዩ ናይ ሎሚ ዘመን ከይንብል ኣብ ሕሉፋት ምርጫታት ጨና ዴሞክራሲያዊ ምርጫ ዘይተራኣየ ሎሚ ከመይ ኢሉ ንሶም ናብ ጭው ዝበለ ዓብላልነት ምስ ተሰጋገሩን ኣብ ግዕዝይናን ምስ ጠሓሉን ነቲ ዘይከውን ክኸውን እዩ ይብሉና ዘለው፣ ፈፂሙ ዘይእመን እዩ።
ኢህወዴግ ካብ  ግንቦት 20/1983 ዓ/ም ጀሚሩ ስልጣን ምስ ሓዘ ናይ ወያናይ ዴሞክራሲ ስነ-ሓሳብ ከም ዘሰጉም ብምእዋጅ ኣርባዕተ ምርጫታት ብምክያድ ኣብ ኩለን ናይ ምርጫ እዋናት ብምጭብርባርን ብሓይሊ መልጥን ስልጣን በይኑ ካብ ዝብሕት ምስ ናይ ስግግር ግዜ ዝነበረ ክልተ ዓመት ሓዊስካ 24 ዓመታት ኣቑፂሩ ይርከብ።
ኣብ ስልጣን ዝርከብ ገዛኢ መንግስቲ ድሕሪ ብ29 ሕዳር 1987 ዓ/ም ዝፀደቐ ኣብ ተግባር ዘይሽረፍ ሕገ-መንግስቲ ኣብቲ ዓመት ንሱ 64 ናይ ፖለቲካ ውድባት ዝተሳተፋሉ ምስሉይ ምርጫ “ሀ” ኢሉ ተጀሚሩ ኢህወዴግ ስዒረ በለ።
ኣብ 1992 ዓ/ም ንካልኣይ ግዜ 49 ናይ ፖለቲካ ውድባት ዝተሳተፋሉ መደናገሪ ምርጫ ተኻይዱ ሕዚ’ውን ኣብ ስልጣን ዝርከብ ገዛኢ ውድብ መንግስትነት ብሒቱ።
ኣብ 1997 ዓ/ም ንሳልሳይ ግዜ ዝተኻየደ ምርጫ ካብቶም ዝሓለፉ ክልተ ምርጫታት ፍልይ ብዝበለ መልክዑ ተቃወምቲ ውድባት ጎሊሖም ዝተራኣይሉን ንኢህወዴግ ዘሰንበደን ምርጫ ምስ ምንባሩ ኣብ መላእ ኣዲስ ኣበባ ኣብ 23 ወረዳታት ኢህወዴግ ተሳዒሩ ምስ እዚ ብተወሳኺ ኣብ ዝተፈላለዩ ክልላት ሃገርና እውን ብናይ ህዝቢ ድምፂ ስዕረት ተጎልቢቡ ምንባሩ ይዝከር።
እንተኾነ ግና እዚ ኣብ ስልጣን ዝርከብ ገዛኢ ፓርቲ ስልጣን ብድምፂ ህዝቢ ከም ዘይለቅቕ ስልጣን ከኣ ዝወሃብ እንተይኮነስ ዝምንጠል ምኳኑ ኣጥቢቑ ዝኣምን ናይ ህዝቢ ድምፂ ዘይቕበል ውልቀ-መላኺ ስርዓት ምኳኑ ኣብ 1997 ዓ/ም ስልጣኑ ኣሕሊፉ ንዝሰዓረ ህዝቢ ንዘይምሃብ  ኣብ ልዕሊ ብኣማኢት  ዝቑፀሩ ንፁሃት ዜጋታት ናይ ጠያይት ሩምታ ብምልቃቕ ህይወቶም ክስእኑ ዝገበረን ብዓሰርተታት ኣሽሓት ናብ ቤት ማእሰርቲ ዝዳጎነን ስርዓት እዩ።
ኣብ 2002 ንራብዓይ ግዜ ዝተኻየደ ምርጫ’ውን እንተሪኢና 79 ናይ ፖለቲካ ፓርቲታት ኣብቲ ዝነበረ ምስሉይ ምርጫ ተወዳደርቲ እንተይኮናስ ዓጀብቲ ኮይነን ብምቕራበን እዚ ሕዚ ኣብ ስልጣን ዝርከብ ልኡላውነት ህዝብን ሃገርን ዝጥሕስ ዘሎ ብግዕዝይና ዝጠልቀየ ስርዓት የስግኡኒ እዮም ንዝበሎምን ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ንዝነበሮም ኣባላት ተቓወምቲ ውድባት ብኣባላት ፀጥትኡን ብተለኣኣኽቱን ኣቢሉክጭወዩን ክቕተሉን ብምግባር በይኑ ኣብ ምርጫ ጎዩ ምእንታን ክስዕር ኣብ ዝገበሮ ፋሽሽታዊ ተግባር ከይ ሓነኸ 99.6 ሚኢታዊ ውፅኢት ምርጫ ረኺበ ብምባልንማሕበረሰብ ዓለም ኣደናጊሩ ክሳብ ሎሚ ህዝቢ እናረገፀ ሃፍቲ ሃገር እናጓሕጎሐ ኣብ ስልጣን ይርከብ።
 ሕዚ ኸ ናበይ? ሕዚ’ውን ከምቲ ኣቕድም ኣቢልና ዝረኣናዩ ንሳቶም ብዛዕባ ምርጫ 2007 ዓ/ም ምዝራቦም ሓጥያት የብሉን እቲ ሓጥያት ዝኸውን ዘሎ ነቲ ክንዳኻ ኢና እናበሉ ብሽሙ ዝቕልድሉ ዘለው ከቢድ መስዋእትነት ከፊሉ ናብ’ዚ ሕዚ ዝሕንቅቕሉ ዘለው ስልጣን ዘብፀሐ ንህዝቢ ኢትዮጵያ እንታይ ኣፍሊጥዎ እዩ ካብ ዝብል ትዕቢት ኣብ ልዕሊኡ ሰፍ ዘይብል በደል ኣብ ምፍፃም ይርከቡ።
እሞ ኸ ህዝቢ እንታይ ከገብር ኣለዎ ህዝቢ ኣንፃር እቲ ስርዓት በብግዚኡ ተሪር ተቓውሞ እናስመዐ መፂኡን ኣሎን። ኣብዚ ክነስተውዕለሉ ዝግባእ ህዝቢ በብኣንፈቱ ተቓውሞ ኣብ ዘስመዐሉ ግዜ ኣብ ትሕቲ እቲ ስርዓት ኮይኖም ምርጫ ኣብ ዝቐረበሉ ግዜያት ሓያላት ተቓወምቲ ክመስሉ ግን ከኣ ዓጀብቲ ኢህውዴግ ኮይኖም በቲ ኢህወዴግ ዝህቦም ቁንጣሮ ገንዘብ እንተስ ንውልቆም እንተስ ምረፁና ንዝብል ፖስተር መስርሒ ስለዝረኸቡ ኢህወዴግ ዴሞክራሲያዊ ዘይኮነ ክንሱ በቲ ኣኼባታት ብምግባር ንተቓወምቲ ዘየንቀሳቕስ ቀያዲ  ሕጉ ለጒሙ ብምሓዝ ዓብላልነቱ ኣብ ዘርእየሉ ምርጫ ብምስታፍ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዝሓሰቦን ዝደልዮን ለውጢ ንኸይመፅእ ኣብ ምግባር ዓብዪ ተራ ይፃወቱ ኣለው።
ብዝያዳ ከኣ ንህዝቢ ልክዕ ብቁፅሪ እተን መጋበሪያ እቲ ስርዓት ኮይነን ዘለዋ ውድባት ከፋፊሎሞ እቲ ስርዓት ዝደልዮ ከኣ ህዝቢ ሓድነት ፈጢሩ ኣብ ልዕሊ እቲ ስርዓት ከይዕምፅ ዝገብር ህዝቢ ከፋፊልካ ዝግበር ዘሎ ዳንኬራ ኣብ መወዳእትኡ ምብትታን ከይኸውን ተቓወምቲ ውድባት ብፍላይ ኣብ ትሕቲ ኢህወዴግ ዝመርሖ መንግስቲ ኮይንኩም ብሽም ተቓወምቲ ተመዝጊብኩም መጋበሪያ እቲ ስርዓት ዘለኹም ህዝቢ እንታይ ዓይነት ለውጢ ይደሊ ከምዘሎ  የማነ ፀጋም ክትሓስቡ ኣካይዳኹም ናይ ህዝቢ ወገናውነት ዘለዎ ኮይኑ ትካቦ ናቲ ስርዓት ወጊድ ኢልኩም ህዝቢ ንለውጢ ክተላዕልዎን ነዚ ብኣነነት ንኣስታት 24 ዓመታት ሃገር ዝመረሐ እንተይኮነስ ሃገርን ህዝብን ዝገዝእን ዘብርስን ዘሎ ስርዓት ክተወግዱ መንገድኹም ክተዐርዩ ምተገበአ።
ተዘይኮይኑ  ሎሚ ዘበን ኣብ ዝካየድ ምስሉይ ምርጫ ብምስታፍ ኣብ ስልጣን ንዘሎ ውልቀ-መላኺ ስርዓት ብምዕጃብ ዴሞክራሲ ኣብዘይብላ ሃገር ዴሞክራሲ ዘሎ ንኽመስል ንምግባር እንተዘይኮይኑ ካልእ ለውጢ ዘምፅእ ኣይኮነን።
እዚ ኣካይዳ እዚ ከኣ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዘሰልቺይዎ በሓይሊ ብረትን መጋበሪያ እቲ ስርዓት ብዝኾኑ ሓይልታት ተዓፊኑ ዝነብር ዘሎ ምዃኑ ኣብዚ ጉዳይ እዚ ከኣ ግደ ብሰላማዊ ፖለቲካዊ ቃልሲ ንኢህወደግ ካብ ስልጣኑ ክንኣልዮ ኢና ትብሉ ኩሉኹም ይዕበ ይንኣስ ኢድ ኣለኩም ዝብል እምነት ኣለኒ። ስለዚ ህዝቢ፤ንሶምን ንስኹምን ተረሓሓቑ ከም ዘለኹም ፈሊጥኩም መንገድኹም ኣዐርዩ፣ እንተ እቲ ህዝቢ መሪርዎ ኣሎ እናመረሮ ንሰበስልጣን ኢህወዴግ ዝስከም እንግዳዕ የብሉን ንኽድርብዮም ተዳልዩ ኣሎ ንሳቶም እውን ኣብ ቀልቀል ፀድፊ ከምቲ ንሳቶም ዝብልዎ ከኣ ኣብ ትሕቲ ሓያል መደራጉሕ ከም ዘለው ፈሊጥካ መዳራጉሕካ ኢድ ንኢድ ተታሓሒዝካ ልቐቐሎም እዋኑ ሎሚ’ምበር ፅባሕ ኣይኮነን፣ ፅባሕ ናይ ባዕላ ዕማም ስለዘለዋ፣  
ካብ ደጋፊ ዴ.ም.ህ.ት
ተጋዳላይ ነበር ህወሓት
ወዲ ሓየሎም ካርቱም ባህሪ-ሱዳን