Thursday, January 1, 2015

ምምሕዳር ከተማ ሽረ-እንዳስላሰ ብተቓወምቲ ዉድባት ንዝካየድ ህዝባዊ ጎስጓስ ብዝተፈላለየ ሜላ ክሰናኸል ኣብ ምግባር ተፀሚዱ ምህላዉ ተሓቢሩ።



ምንጭታትና ካብ ከተማ ሽረ ከም ዝሓበርዎ ሰለማዊ ቃልሲ ኣብ ምክያድ ዝርከብ ተቓዋሚ ዉድብ ዓረና ብዛዕባ መፃኢ ዝካየድ መረፃ ምስ ነባሪ ህዝቢ ከተማ ሽረ-እንዳስላሰ ንምዝታይን ዝተፈላለየ ሓሳብ ንምልዉዋጥን ከምኡ’ዉን ጎስጓስ ንምክያድ ዓሊሙ ኣብዚ ሰሙን ኣኼባ ንምግባር ኣብ ዝተንቀሳቐሰሉ እዋን ምምሕዳር እታ ከተማ ድማ ንህዝቢ ክትእክቡ ኣይፈቐድናን ብምባል መአከቢ ኣዳራሽ ከልኪሉ ከም ዘባረሮም ተፈሊጡ።
ኣስዒቡ እቲ ሓበሬታ ከም ዘረድኦ ገዛኢ ጉጅለ ስርዓት ኢህወዴግ መፃኢ ወርሒ ግንቦት 2007 ዓ.ም ዝካየድ ሃገራዉን ክልላዉን ምስሉይ መረፃ ሰላማዉን ፍትሓዉን ብዝኾነ መንገዲ ከም ዘካይዶ ይገልፅ እኳ እንተሎ ብተግባር ግና ኣባላትን ኣመራርሓን ተቓወምቲ ውድባት ምስ ህዝቢ ብምርኻብ ጎስጓሳዊ ስራሕቶም ንከየሳልጡ የሰናኽሎም፥ ንህዝቢ ድማ ብዝተፈላለየ መንገዲ ብምፍርራሕ ተቓወምቲ ኣብ ዝገብርዎ ኣኼባ ከይሳተፍን ድጋፉ ከይገልፀሎምን ዝከኣሎ ኩሉ ኣብ ምግባር ከም ዝርከብ ድሕሪ ምግላፅ እቲ ሕዚ ብምምሕዳር ከተማ ሽረ ዝፍፀም ዘሎ እዉን መቐፀልትኡ ምዃኑ ተገሊፁ።