Thursday, January 1, 2015

ኣብ መንጎ ነበርቲ ክልላት ትግራይን ኣምሓራን ብህዝብን ምልሻን ዝተጀመረ ውግእ በቲ ስርዓት ፍሉይ ሓይሊ እናተብሃሉ ዝፅውዑ ዕጡቛት ነቲ ግጭት ከም ዝጋደድዎ ተፈሊጡ።




ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ምንጭታትና ከም ዝሓበርዎ ኣብ ክልል 3 ፍሉይ ሽሙ ግጨው ኣብ ዝተብሃለ ቦታ ብህዝብን ምልሻን ዝጀመረ ግጭት ናይቲ ስርዓት ፍሉያት ሓይልታት ዝተብሃሉ ዕጡቛት ኢዶም ብምሕዋስ ከም ዘጋደድዎ ድሕሪ ምግላፅ ብሰንኪ እቲ ናይ ክልትኡ ክልላት ፍሉይ ሓይሊ ዘካየድዎ ዉግእ ካብ ክልል ሓደ ደብረ መኮነን ዝተብሃለ መራሒ ጋንታ ምስ ሰለስተ ርእሱ ዝሞተ እንትኾን ብርክት ዝበሉ ሲቪላት ነበርቲ ክልቲኡ ክልላት ድማ ከም ዝሞቱ ተገሊፁ። 
    እቲ ግጭት ደው ክብል ብዘይምኽኣሉ ነዚ ከረጋግዑ ዝመፁ ምክልኻል ሰራዊት እንተኾኑ’ዉን ዉፅኢታዊ ስራሕ ክሰርሑ ብዘይምኽኣሎም ካብ 14 ክሳብ 18 ታሕሳስ 2007 ዓ/ም ንኣርባዕተ መዓልታት ዝኣክል ብመስመር ፅርግያ ጎንደር  ሑመራ ዝመሓላለፋ መጎዓዝያ ኣብ ሰሮቛ ዝተብሃለ ቦታ ተዓጊተን ከም ዝቐነያ ተፈሊጡ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣብ ከተማ ሰሮቛ  ናብ ዕለት 20 ታሕሳስ 2007 ዓ/ም ኣብ ዘውግሕ ለይቲ 3 ዕጡቛት ጉጅለ ኢህወዴግ ተቐቲሎም ከም ዝሓደሩ ተገሊፁ።

   ብመሰረት ሓበሬታ ምንጭታትና ኣብ ከተማ ሰሮቛ 3 ዕጡቛት ፉሉይ ሓይሊ ናይ’ቲ ገዛኢ ስርዓት ካብ’ታ ከተማ ምሸት ኣብ ዝወፅሉ እዋን መንነቶም ብዘይተፈለጡ ሰባት ብዝተተኮሰ ጥይት ከም ዝተቐተሉ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ ኣስማት ናይ’ቶም ዝተቐትሉ ሰባት ድማ ኣሸናፊ ይደግ፤ እምባሁን ይመርን ይሳቕ ይመርን ምዃኖም ምስ ጠቐሰ እቲ ስርዓት ድማ ኣባላት ተቓዋሚ ውድብ ሃርበኛ እዮም ብዝብል ብኣካላት ፀጥታኡ ኣቢሉ ሰባት ጨውዩ ከም ዝወሰደ ተፈሊጡ።

    ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ካድረታት ብሃርበኛ፤ ግንቦት 7ተን ካልኦትን ዝተኸፈተ ተኹሲ ስለ ዝኾነ ህዝቢ ክደናገር የብሉን ኢሎም ይጉስጉሱ ከም ዘለዉን እቲ  ግጭት ኣብ መንጎ ክልል ትግራይን ኣምሓራን ስለ ዝተፈፀመ ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ዝርከቡ ላዕለዎት ካድረታት ምልሻን ናይ ፀጥታ ኣካላትን ኣብ ከተማ ሑመራ ብ20 ታሕሳስ 2007 ዓ/ም ኣኪቦም እዚ ብተቓወምቲ ኣብ ልዕሌና ዝካየድ ዘሎ መጥቃዕቲ ብዕቱብ ንኽከታተሉ ከም ዘጠንቀቕዎም ክፍለጥ ተኻኢሉ።