Thursday, January 1, 2015

ኣብዚ ቅንያት ንጉዕዙይ ምሕደራ ስርዓት ጉጅለ ኢህወዴግ ብምቅዋም ብርክት ዝበሉ መናእሰይ ናብ ውድብ ዴምህት ተፀምቢሮም።



   ኣብዚ ቅንያት ንጉዕዙይ ምሕደራ ስርዓት ጉጅለ ኢህወዴግ ብምቅዋም ብርክት ዝበሉ መናእሰይ ናብ ውድብ ዴምህት ተፀምቢሮም።
ካብቶም ኣብዚ ቅንያት ናብ ዴምህት ዝተፀምበሩ መናእሰይ ናይ ዝተወሰኑ ኣሰማት ንምጥቃስ፦
1. ዘሚኪኤል ተስፋላሰ ካብ ማእከላይ ዞባ ወረዳ መረብ ለኸ ጣብያ   ዓዲፍታው ቁ/ዓዲሓንገለ
2. ይኹኖም ኪዳነ ካብ ዞባ ምብራቕ ወረዳ ጉለመኸዳ ጣ/ዛላንበሳ ቁሸት ዓዲ ሓቂ
3. ኣሉላ ክብሮም ካብ  ዞባ ምብራቕ ወረዳ ጉለመኸዳ ጣ/ማርታ ቁሸት ሰማዝ
4. ኣድሓኖም ኣረጋይ ካብ ዞባ ምብራቕ ወ/ጉለመኸዳ ጣ/ማርታ ቁሸት ኣራት ኪሎ
5.          ወልደ ምህረት ገ.ፃዲቅ ካብ ማእኸላይ ዞባ ወረዳ መረብ ለኸ ጣብያ ኣፅገባ ቁሸት ስምረት
6. ኣታኽልቲ ፍትዊ ካብ ዞባ ምብራቕ ወረዳ ጉለ መኸዳ ጣብያ ሓየሎም ቁሸት ቁሸት ዓጋምዮ
7. ሙሉ ለገስ ካብ ዞባ ምብራቅ ወረዳ ጉለመኸዳ ጣብያ ዛላንበሳ ቁሸት ዓዲ ሓቂ
8. ኣስመላሽ ጉዑሽ ካብ ዞባ ማእከል ወረዳ መረብ ለኸ ጣብያ ማይወዲዓንበራይ ቁሸት ዓዲ ገባ
9.          ጌትነት ፀጋይ ካብ ዞባ ምብራቕ ወረዳ ጉለ መኸዳ ጣብያ ማርታ ቁሸት ኣግዓ
10.         ደጀን ተወልደመድህን ካብ ዞባ ምብራቕ ወረዳ ጉለመኸዳ ጣባያ ማርታ ቁሸት ኣግዓ
11. ክንፈ ገ/ሚካኤል ካብ ማእኸላይ ዞባ ወረዳ ኣሕፈሮም ጣብያ ላዕላይ መጋርያ ፀምሪ
12. ዘሚኪኤል ኣባዲ ካብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ወረዳ መደባይ ዛና ጣባያ ሓኽፈን ቁሸት ዳርሽም
13. ንጉስ ኪ/ማርያም ካብ ማእኸላይ ዞባ ወረዳ ኣሕፈሮም ጣብያ ገርሁስርናይ ቁሸት ገርሁስርናይ
14.         ልኡል ኣድሓኖም ካብ ዞባ ምብራቅ ወረዳ ኢሮብ ጣብያ እንዳልጌዳ ቁሸት ዓውዳ
15.         ሙሉብርሃን ተኪኤ ካብ ማእኸላይ ዞባ ወረዳ መረብ ለኸ ጣብያ ማይወዲ ዓንበራይ ቁሸት ዓዲ ገባ
16.         ደጀን ሓዱሽ ካብ ዞባ ምብራቕ ወረዳ ጉለመኸዳ ጣባያ ዛላንበሳ ቁሸት ኣዲስ ኣለም እዚኦም ካልኦትን  ኮይኖም
ንሶም  ናብ ውድብ ዴምህት ተፀምቢሮም ክቃለሱ ዘገደዶም ምኽንያት እንትገልፁ። ኣብ ገዛእ ነብሶምን ህዝብን ይበፅሕ ዘሎ በደል ንምፍታሕ ኣንፃር እቲ ጠላም ስርዓት በረኻ ወፂኦም ንምቅላስ ከም ዝመረፁ ኣረዲኦም።

   ብፍላይ መንእሰይ ዘሚኪኤል ኣባዲ ከም ዝበሎ ኣብ ከባቢኦም ብዝርከቡ ካድረታት እቲ ስርዓት ምስ ዴምህት ትራኸቡን ትተሓባበሩን ኢኹም እናተብሃሉ ብዙሓት ሰባት ይእሰሩን ዝተፈለለዩ ግፍዕታት ይበፅሖምን ከም ዘሎ ብምረት ገሊፁ።