Thursday, January 1, 2015

ኣብ ከተማ ዓዲ-ግራት ዝርከብ ናይ ኮንደምንየም መንበሪ ገዛውቲ ብሙሉእነት ስለ ዘይተሃንፀ ይበላሾ ምህላዉ ተገሊፁ።




      ኣብ ዞባ ምብራቕ ትግራይ ከተማ ዓዲ-ግራት ንዘሎ ፀገም መንበሪ ኣባይቲ ከቃልል ተባሂሉ ዝተሰርሐ ናይ ኮንደሚንየም ገዛውቲ ኣገልግሎት ከይሃበ ይበላሾ ምህላው ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ እቲ ምኽንያት ድማ  ንመስርሒኡ  ተባሂሉ ዝተሰለዐ ገንዘብ ኣማሓደርቲ እታ ከተማ ምስቶም ኮንትራክተራት ተማሻጢሮም ሰለ ዝበልዕዎ ብፅሬት ብዘይ ምስርሑ ነበርቲ ግቡእ ኣገልግሎት ስለ ዘይረኸቡ የማርሩ ምህላዎም ተገሊፁ።
      እቲ ሓበሬታ ኣስዒቡ። እቶም ኣማሓደርቲ ገንዘብ ከታርፉ ክብሉ እቲ ዝሰርሕዎ ሽንት ቤት ፀቢብን  ንመውፅኢ  ረሳሕ ማይ ዝኸውን ቱቦታት ሰለዘይገበሩሉን  ከምውፂኢቱ ድማ እቲ ጉድጓድ  መሊኡ ናብ ጎደናታት ስለዝፈሰሰ  ነበርቲ ንሕማቕ  ጨና ተቓልዖም ምህላዎምን  ብፍላይ ትሕተ ዕድመ ህፃውንትን ሽማግለታትን ግዳይ ተመሓላልፍቲ ሕማም ይኾኑ ምህላዎም ተፈሊጡ።
      እዞም ኣብቲ ኮንደሚንየም ዝነብሩ ወገናት ነቲ ዘጋጥሞም ዘሎ ፀገም ንኽፍታሓሎም ንዝምልከቶም ኣካላት ካብ ዝሓለፉ ዓመታት ጀሚሮም ዘቕረብዎ ጥርዓን መፍትሒ ዘይምርካቡ ከይኣክል ሕዚ’ውን እንተደሊኹም  ብናይ ባዕልኹም ገንዘብ ስርሕዎ ከም ዝበልዎም እቲ ዝረኸበናዮ ሓበሬታ ኣመልኪቱ።