ካብ’ዞም ብጅምላ ዕጥቆም ዝተገፈፉ ንገሊኦም
ንምጥቃስ፦ በይን ገብረስላሰ፤ ክፍሎም ገብረገርግስ፤ መድሃንየ መስፍን፤ ፀጋይ መለስ፤ ኣብርሃ ተኽለን ካልኦትን ዝርከብዎም ብርክት
ዝበሉ ምልሻታት ነበርቲ ጣብያ ምድሪ ፈላሲ ጥርጣረን ዘይምትእምማን ዝወለዶ ናይ ቀቢፀ ተስፋ ስጉምቲ ብኣመሓደርቲ ናይ’ታ ወረዳ
ከምዝተወሰዶም ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣
ወሲኹ እቲ ሓበሬታ ኣመሓዳሪ እዛ ጣብያ ዝኾነ ዕሱብ ናይቲ ስርዓት ኣርኣያ ይግዛዉ እንተኾነ’ውን ምስ ቁሸት ዓዲ ሓመዶ ዘለካ ኣግባብ
ዘይብሉ ርክብ ምስ ዴምህት ዘለካ ምትእስሳር ዘረድእ እዩ ብምባል። ኣመሓደርቲ’ታ ወረዳ ብ19 ለካቲት 2007 ዓ.ም ካብ ሓላፍነቱ
ከም ዝኣለይዎ ተፈሊጡ፣
ብተመሳሳሊ ነበርቲ እታ ጣብያ ምስ ዴምህት
ርክብ ኣለኩም ብዝብል መርትዖ ብዘይብሉ ጥረጣረ። ብካድረታት ስርዓት ህወሓት-ኢህወዴግ ተኣሲሮም ካብ ዝሳቐዩ ዘለዉ ወገናትና፦
ኣይተ ኣስገዶም ከሰተ፤ ኣይተ ገብረኣምላክ ካሕሳይ፤ ኣይተ ሓጎስ
ለገሰን ዝርከቦም እንትኾኑ። ብግዝያዊ ረብሓ ተዓሽዮም ኣብ ልዕሊ ንፅሃት ወገናት በደል ንኽፍፀም ምስ ካድረታት እቲ ስርዓት ብምውጋን
ሓሶታት ዘቀባብሉ ዘለዉ ድማ፦ ተስፋይ ገብረስላሰን ሰለሙን ታደስን ከም ዝኾኑ እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ወሲኹ ኣፍሊጡ፣
ኣብ ህዝቢ ኢትዮጵያ ተቐባልነት ሲኢኑ ዓቕሉ ፀቢብዎ ዝርከብ ኣምባገነን ስርዓት
ጉጅለ ወያነ-ኢህወዴግ። ኣብ ወረዳ ላዕላይ ኣድያቦ ብፍላይ ድማ ኣብ ጣብያ ምድረ ፈላሲ ብሽም ምኽባር ፀጥታ ንነባሪ ህዝቢ መዓልታዊ ተፍትሽ እናበለ ነበርቲ ኣብ ምስቓይ ከም ዝርከብ ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣