Saturday, March 21, 2015

ነባሪ ህዝቢ ከተማ ፍኖተ ሰላም ብምኽንያት ኣብ ልዕሊኡ ዝፍፀም ዘሎ ኣድልዎን ጥሕሰት ሕግን ኣንፃር ብኣዴን-ኢህወዴግ ተቓውምኡ የስምዕ ከም ዘሎ ተሓቢሩ፣



 ኣብ ክልል ኣምሓራ ከተማ ፍኖተ ሰላም መብዛሕትኡ ነባሪ ህዝቢ ብግዕዙይ ኣሰራርሓ ብኣዴን-ኢህወዴግ ብዱል ከም ዝኾነ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ። ብምዃኑ ድማ ነባሪ ሕብረተሰብ ንሰበ ስልጣን ገዛኢ ስርዓት ኢህወዴግ መፃኢ ኣብ ዝካየድ መረፃ ህዝቢ ክመርፀና ኢልኩም ኣይትሕሰቡ፤ ድሕሪ ሕጅ ባዕልና ንወስዶ መማረፂ መንገዲ ኣለና ብምባል። ኣብ ዝግበሩ ኣኼባታት ብግልፂ ይነግሮም ስለ ዘሎ። ስልጣኖም ንምዉሓስ ክብሉ ኣብ’ታ ከተማ ንዝርከቡ ኣመሓደርቲ ናዕቢ ከይለዓል ጥቡቕ ሓለዋ ኣካይዱ ዝብል ትእዛዝ  ከም ዝሃብዎም ተፈሊጡ፣
ካብዚ ብምብጋስ ድማ ኣመሓደርትን ካድረታትን እቲ ስርዓት ካብ ዕለት 1 መጋቢት 2007 ዓ.ም ኣትሒዞም ብዘዋፈርዎም ፖሊስ ናይ’ታ ከተማን ፌዴራል ፖሊስን ንነባሪ ህዝቢ ከተማ ፍኖተ ሰላም ኣበይ ነይርካ፤ ናበይ ኢኻ ብዝብሉ ሕቶታት ዓቕሉ ኣፅቢበምሉ ከም ዝርከቡ ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣