ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ዝርከቡ ኣዘዝትን
መርመርትን ፖላዊስ ብሓላፊ ፀጥታ ናይ’ቲ ክልል ሓዱሽ ዘነበ ካብ 9 ክሳብ 10 መጋቢት 2007 ዓ/ም ኣብ ዘካየደሎም ምስሉይ ኣኼባ።
ንባዕሉ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ በደላት ክፍፅም ከም ዘይፀንሐ ሕዚ ድማ ንባዕሉ ንፁህ መሲሉ ብምቕራብ ህዝቢ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ንዉድብና
ህወሓት ፀሊኡ የማርር ኣሎ ኣብ ዝመፅእ ግንቦት ኣብ ዝካየድ መረፃ እንተኸሲርና ብሰንክኹም ምዃኑ ፍለጡ ክብል ከም ዘፈራርሖም ተፈሊጡ፣
ኣብቲ ንኽልተ መዓልቲ ዝተኻየደ ኣኼባ ዝተረኸቡ ኣባላት ፖሊስ። ገሊኦም
በቲ ዝተኣለመ ሽርሒ ፈርሖም ሕማቕ ተግባር ኣይፈፀምናን ብምባል እንትከላኸሉ። ገሊኦም ፈልጥቲ እቲ ሽርሒ ድማ ተጣበቕቲ ኣሰራርሓን
ህዝብን መሲሎም ብምቕራብ በቢ መዓልቱ ሽግራትና ህዝቢ ይገልፀልና ኣሎ። ክብሉ ባዕሎም ንባዕሎም ክገማገሙ ከም ዝገበሮም ንምፍላጥ
ተኻኢሉ፣
እዚ ኣብ መንጎ ኣዘዝትን መርመርትን ፖላዊስ ዝተኻየደ ኣኼባ። ኣብ መላእ
ትግራይ ይቕፅል ከም ዘሎ ድሕሪ ምግላፅ። እዚ ድማ ንህዝቢ ኣደዓዒስካ ኣብቲ ዝካየድ መረፃ ንምዕዋት ንህዝቢ ዝሓለዩ መሲሎም ንምቕራብን
ኣለና ኣብ ጎኒ ህዝብና ንምባልን ዝዓለመ ምዃኑ እቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ኣረዲኡ፣