ከም ሓበሬታ ምንጭታትና። ዉድብ ኦህዴግ/ኢህወዴግ
ዝተመስረተሉ መበል 25 ዓመት ብ17 መጋቢት 2007 ዓ.ም ኣብ ከተማታት ነቀምትን ዓረጃን ብሚልዮናት ዝቑፀር ገንዘብ ወፃኢ ብምግባር
ይበዓል ኣብ ዝነበረሉ። ነባሪ ህዝቢ ነቲ በዓል ተቓዊሙ ኣብኡ ክርከብ ስለ ዘይከኣለ። ካድረታት እቲ ስርዓት ኣካላት ፀጥታ ኣዋፊሮም
ካብ መነበሪ ገዝኡ ኣገዲዶም የዉፅእዎ ኣብ ዝነበርሉ። ካብዚ ዉድብ ተረባሕቲ ኣይኮናን እዚ በዓል ንህዝቢ ኣይዉክልን ሎሚ ይኹን
ፅባሕ ኣይንወፅእን ክብሉ ኣብ ልዕሊ እቲ ዉድብ ዘለዎም ፅልኣት ብግልፂ ይዛረቡ ከም ዝነበሩ ክፍለጥ ተኻኢሉ፣
ነቲ ዝተኸየደ በዓል ኦህዴድ/ኢህወዴግ ህዝቢ ከይድግፎ ኣብ ምቅዋም ዝለዓለ
ግደ ነይርኩም ዝተብሃሉ መምህራን። ምስ ተቓወምቲ ዉድባት ርክብ ኣለኩም ኣብዚ ከተማ ኣንፃር መንግስቲ ጎስጓስ ተካይዱ ኣለኩም ተባሂሎም።
ካብቲ ልዕሊ 30 ዓመታት ዝገልገልሉ ቦታ ተላዒሎም ናብ ገጠራት ይምደቡ ብምህላዎም። እቶም መምህራን ኣብ ስርሖም ስነ ኣእምሮኣዊ
ፀቕጢ ይፈጥረሎም ከም ዘሎ ምንጭታትና ወሲኾም ገሊፆም፣
እዚ ከምዚ ኢሉ እንተሎ። ኣብ ከተማታት ክልል ኦሮሚያ ዝርከቡ ሕድ ሕድ ሰራሕተኛታት
መንግስቲ ካብ ድሌቶም ወፃኢ 50 ቅርሺ ንበዓል ኦህዴድ ኣዋፅኡ ከም ዝተብሃሉ ድሕሪ ምግላፅ። ኣይነዋፅእን ዝበሉ ሰራሕተኛታት ድማ
ኣስጋእቲ እናተብሃሉ ወርሓዊ ደሞዎዞም ከይኽፈሎም ተኣጊዱ ስለ ዘሎ ንከቢድ ማሕበራዊ ሽግር ተቓልዖም ከም ዝርከቡ ተፈሊጡ፣