Sunday, April 5, 2015

ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝነብር ህዝብና ብሕፅረት ቀረብ ሃለኽቲ ነገራት ብከቢድ ተሸጊሩ ከም ዘሎ ተገሊፁ፣



ብመሰረት ሓበሬታ ምንጭታትና። ኣብ ኩሉ ከባብታት ክልል ኣምሓራ   ዘይቲ ብልዒ ጠቕሊሉ ካብ ዕዳጋ ጠፊኡ ከም ዘሎ ድሕሪ ምግላፅ። ብፍላይ ድማ ኣብ ከተማ ባህርዳር ህዝቢ ዘይቲ ብልዒ ኣለዎ ካብ ዝተብሃለ መኽዝናት ብኣዝዩ ክባር ዋጋ ንምዕዳግ ለይቲ ከይተረፈ ሪጋ ሒዙ ይሓድር እኳ እንተሎ ተወዲኡ እናተብሃለ እንከይረኸበ ንገዝኡ ይምለስ ከም ዘሎ ተፈሊጡ፣
    ስርዓት ኢህወዴግ እቲ ብሕፅረት ኣቕርቦት ሃለኽቲ ነገራት መረረቱ ኣብ ዝለዓለ ጠርዙ ዝበፅሖ ህዝቢ ኣብ ልዕሊኡ ዓመፅ ንከየልዕል ስለ ዝሰግአ። ዘይቲ ኣብ ወደብ ጅቡቲ በፂሑ፤ ብበዝሒ መራኽብ ይራገፋ ኣለዋ፤ ካብ ሕዚ ናይ ዘይቲ ይኹን ሽኮር  ፀገም የለን እናበለ ዋላ’ኳ ይዛረብ እንተሃለወ። ኣብ ተግባር ግን ክሳብ ሕዚ ዋላ ሓንቲ ለውጢ ከም ዘይመፀ ነበርቲ ከተማ ባህርዳር ይገልፁ፣