ብመሰረት ካብቲ ምክልኻል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ።
ኣብ ማእኸላይ እዚ ክካየድ ኣብ ዝቐነየ ኣኼባ። ንዓመታት ከገልግሉ ዝፀንሑ ኣባላት ሰራዊት ምስ ፀላኢ ርክብ ብምፍጣር ኣብ ዉሽጥና
ኮይንኩም ትተሓባበሩ። ንመንግስቲ ተነአእሱ፤ ሰራዊት ዓመፅ ንኸልዕል ተለዓዕሉ ኢኹም ብዝብል ፀለመ። ንልዕሊ 30 ንፁሃት ወተሃደራት
ብዘይ ዝኾነ መጣየሺ ገንዘብ ከም ዝተባረሩ ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣
ብተመሳሳሊ ኣብ ምክልኻል ሰራዊት ኢህወደግ በብደረጅኡ ንምንታይ ብበዝሒ ሰራዊት ይኸድዕ ኣሎ ዝብልን ናይ ፀላኢ ኩነታትን ካልእን ዘተኮረ
ገምጋማዊ ኣኼባ ይካየድ ምህላዉ ኣብ ዝሓለፈ ዜናና ገሊፅና ምንባርና ይፍለጥ፣