Friday, April 10, 2015

ኣብ መቐለ ዩኒቨርሲቲ ዝርከቡ ተማሃሮ ተወለድቲ ኣምሓራን ኦሮሞን ብካድረታት እቲ ስርዓት ውሽጢ ውሽጢ ኣብ መንጎኦም ብዝተኣጉደ ውዲት ክልተ ተማሃሮ ብካራ ተወሂኦም ህይወቶም ከም ዝሰኣኑ ተሓቢሩ፣



ምንጭታትና ካብቲ ቦታ ከም ዝገለፅዎ። ተወለድቲ ክልል ኦሮሞ ኣብ ዉሽጢ እቲ ዩኒቨርሲቲ ንዘሎ ብርክት ዝበሉ ማሕበራዊ ፀገማት ቆላሕታ ገይሩ ዝፈትሕ ኣካል ምምሕዳር የለን ኢሎም ተቓዉሞ እንተልዕሉ። በቲ ስርዓት ዝተደለሉ ተወለድቲ ክልል ኣምሓራ ድማ ዝኾነ ንምምሃር ምስትምሃር ዝዕንቅፈና ፀገም የለን ፅቡቕ ኣለና ዝብል ኣንፃራዊ ሓሳብ ብምቕራቦም ዝተወለዐ ግጭት። ብ2 መጋቢት 2007 ዓ.ም ለይቲ ክልተ ተማሃሮ ብካራ ተወጊኦም ክቕተሉ እንተለዉ ካልኦት ብዙሓት ድማ ብከቢድ ከም ዝቖሰሉ  ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣
እቲ ኣብ መንጎ ናይ ክልቲኡ ክልላት ተወለድቲ ተወሊዑ ዘሎ ባእሲ ኣብቲ ዩኒርቨሲቲ ብዝርከቡ ካድረታት እቲ ስርዓት ኮነ ተባሂሉ ዝተኣጎደ ምዃኑ ድሕሪ ምግላፅ። ከም ሰዓቤኑ ድማ ነቲ ዝተበገሰ ባእሲ ኣረዳዲኡ ዝፈትሕ ኣካል ብዘይምህላዉ። ኣብ ዓብዪ ምጥምማትን ወጥርን ክሽመሙ ገይረሞም ከም ዘለዉ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ገሊፁ፣