ኣብቲ
ዞባ ኣብ ሕርሻ ተዋፊሮም ኣብ ምስራሕ ዝርከቡ ኢንቨስተራት ብዉዕል ዘይፈልጥዎ ክራይ መሬት ብኣመሓደርቲ ገዛኢ ስርዓት ኢህወዴግ
ዓመታዊ ተተሚኑ ክኸፍሉ ትእዛዝ ከም ዝተወሃቦም ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ። እቶም ኢንቨስተራት ድማ ስሩዕ ግብሪ መንግስቲ በብእዋኑ እናኸፈሉ
ዝፀንሑ እንትኾኑ። እቲ ሕዚ ክፈልዎ ዝብሃሉ ዘለዉ ክራይ መሬት ዝብል ግና ብዉዕል ዘይፈልጥዎን ንዕኦም ሓዱሽ ሓሳብ ከም ዝኾኖምን።
እዚ ድማ ኮነ ተባሂሉ ገንዘቦም ንምዉራር ዝተማህዘ ሽርሒ ምዃኑ ገሊፆም፣
ብፍላይ
ድማ ኣብ ቃፍታ ሑመራ ከባቢ ማይ ካድራ ተዋፊሮም ዝርከቡ ልዕሊ 12 ኢንቨስተራት። ነቲ ብካድረታት ተሰሊዑ ክኸፍልዎ ዝተሓተትዎ
መጠን ገንዘብ ብግዴታ ክፈሉ ኣብ ዝተብሃልሉ። ብሰንኪ ዝተዛበዐ ዕዳጋ
ዋጋ ሰሊጥ ኣዚዩ ሓሲሩ ብምህላው። ብዙሕ ወፃኢ ጌርና ዘፍረና ተደርብዩ ብምትራፉ መኽፈሊ ዝኸውን የብልናን እኳ እንተበሉ።
ምኽፋል ኣብዮም ዝብል ክሲ ተመስሪትዎም ከም ዘሎ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ የረድእ፣
ካብቶም
ዝተኸሰሱ 12 ኢንቨስተራት ገለ ንምጥቃስ፦
ነጋ ባንቴ ናይ 121 ሄክታር ናይ ሕርሻ መሬት 120 ሽሕ ብር ክራይ ክኸፍል ዝተወሰነሉ፤ .ኣበበ ኣስማማዉ
ናይ 40 ሄክታር ናይ ሕርሻ መሬት 40 ሽሕ ብር ክራይ ክኸፍል ዝተወሰነሉ፤ ኣለም ገብረፃዲቕ ዝተብሃለ ድማ ናይ 30 ሄክታር ናይ
ሕርሻ መሬት 30 ሽሕ ብር ክራይ ክኽፈል ከም ዝተወሰነሉን ካልኦትን ‘ዉን ብተመሳሳሊ ክኸፍሉ ይግደዱ ምህላዎም ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣