Saturday, April 11, 2015

ኣብ ሓለዋ ቤተ መንግስቲ ተመዲቦም ዝነበሩ ናይቲ ስርዓት ወተሃደራት ናብ ክልል ቤንሻንጉል ወረዳ ጉባ ከም ዝተቐየሩ ምንጭታና ገሊፆም፣



ብመሰረት እቲ ሓበሬታ። ኣባላት ሓይሊ ኣየር ምክልኻል ሰራዊት ኮይኖም ኣብ ዙርያ ቤተ መንግስቲ ክሕልዉ ዝፀንሑ ወተሃደራት ብ2 መጋቢት 2007 ዓ/ም ነቲ ዝነበሮም ኣፅዋር ኣቐሚጦም ብሓድሽ ኣፅዋር ብምትካእ። ናብቲ ህዳሴ ግድብ ዝስርሐሉ ዘሎ ወረዳ ጉባ ክግዕዙ ከም ዝተገብሩ ተፈሊጡ፣ 
     ገዛኢ ስርዓት ኢህወዴግ ምስ ኣባይ ግድብ ተተሓሒዙ ስግኣት ስለ ዘለዎ ቅድም ክብል ብርክት ዝበሉ ኣባላት ሰራዊት ናብ ከባቢ ግድብ ኣባይ ልኢኹ እኳ እንተነበረ እቶም ወተሃደራት እግሮም ናብ ዘምረሖም ይብተኑ ብምህላዎም እሙናት ብዝብሃሉ ኣሃዱ ይትክኦም ከም ዘሎ እቲ ሓበሬታ ኣረዲኡ፣