Saturday, April 11, 2015

ኣብ ደቡብ ወሎ ወረዳ ጃማ ዝርከቡ ኣማሓደርቲ ስርዓት ኢህወዴግ ብዘውርድዎ ዘለዉ ግፍዕታት ዝተማረር ህዝቢ። ኣብ ልዕሊኦም ናይ ምቕታል ስጉምቲ ይወስድ ከም ዘሎ ተሓቢሩ፣



ብመሰረት’ቲ ሓበሬታ። ኣብ ደቡብ ወሎ ወረዳ ጃማ። ኤልሻል ናይ ዝተብሃለት ቀበሌ ኣቦ ወምበር ኮይኑ ህዝቢ ከጋፍዕ ዝፀንሐ ዘለቀ ፀጋዬ ዝብሃል ካድረ ናይቲ ገዛኢ ስርዓት።  ብ19 መጋቢት 2007 ዓ/ም ምሸት ሰዓት 2።30   ብኣይተ ሰይድ ይመር ብዝተብሃለ ዜጋ ከም ዝተቐትለን እቲ ቀታሊ ድማ ብዘይ ሓደ ፀገም ብምትሕብባር ነባሪ እቲ ከባቢ ከምልጥ ከምዝኸኣለ ተፈሊጡ፣ 
   እቲ ሓበሬታ ኣስዒቡ ከም ዝገለፆ። እቲ ህዝቢ ዘበሳብስ ዝነበረ ኣመሓዳሪ ቀበሌ ኤልሻል ክቕተል ዝኸኣለ። ምሸት ናብ ሓደ መርዓ ኣብ ዝተንቀሳቐሰሉ እዋን ምንባሩ  ንምፍላጥ ተኻኢሉ አሎ፣