Sunday, April 5, 2015

ኣብ ክልል ኦሮሚያ ከተማ ጅማ ዝርከብ ህዝብና ንኢህወዴግ ዝድግፍ ሰላማዊ ሰልፊ ንክገብር ብካድረታት እቲ ስርዓት ኣብ ዝተኣዘዘሉ እዋን ከም ዝተቓወሞ ተፈሊጡ፣



    ብመሰረት ሓበሬታ ምንጭታትና። ኣብ ከተማ ጅማ ንዝርከብ ህዝብና ካድረታት እቲ ስርዓት ኣብ ኢህወዴግ ዘለካ ድጋፍ ብሰላማዊ ሰልፊ ግለፅ ብምባል ብ18 መጋቢት 2007 ዓ/ም ከገድድዎ ኣብ ዝፈተንሉ እዋን።እቲ ነባራይ  ህዝቢ ድማ ንዓና ዝዉክል ዉድብ ኮነ መንግስቲ ክሳብ ዘይረኸብና ኣይንድግፍን ኢሉ ከም ዝኣበየ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ። በዚ ምላሽ ዝተሰናበዱ ካድረታት እቲ ስርዓት ድማ። ነቲ ዝሓሰብዎ ንምፍፃም ካብ ግንጭ ዝተብሃለ ቦታን ካልእ ገጠራትን ሰባት ብመኪና ናብ’ታ ከተማ ብምምፃእ። ናይ ድጋፍ ሰላማዊ ሰልፊ ከም ዝተኻየደ ኣምሲሎም ክዛረቡ ከም ዝተሰምዑ ክፍለጥ ተኻኢሉ፣
    ነባሪ ህዝቢ እታ ከተማ ድማ መንግስቲ ስለ ምንታይ  ናይ ምድንጋር ተግባራት ይፍፀም።፤ ክሳብ መዓስ እዩ እዚ ስርዓት ህዝቢ እናታለለ ኣብ ስልጣን ክቕፅል  ብምባል።  ኣብ ልዕሊ እቲ ስርዓት ፅልኣት ዝወለዶ ሓያል ስምዒት ሒዙ ዝርከብ እንትኾን። ሰበ ስልጣን እቲ ክልል  ድማ ተቓዉሞ ክልዓል እዩ ዝብል ስግኣት ስለ ዝሓደሮም። ፌደራል ፖሊስ ኣዋፊሮም ኣብ ፅንኩር ሓለዋ ከም ዝርከቡ ተሓቢሩ፣