ኣብ ዞባ ምብራቕ ትግራይ ከተማ ዓዲ ግራት ኣብ ዝርከብ ዓዲግራት ዩኒቨርሲቲ
ተማሃሮ ማነጅመንት ሳልሳይ ዓመት። ኣብ ዉሽጢ እቲ ዩኒቨርሲቲ ንዘሎ ግዕዙይ ኣሰራርሓ ዝወለዶም ሽግራት በቲ ስርዓት ፍታሕ ክግበረሉ
ኣብ ድሕሪ ምንቃፎም። ነዚ ስዒቡ ድማ ናይ’ዚ ሰሚስተር ዉፂኢት ፈተና
ነጥቦም “ሲ” ተባሂሉ ብሓለፍቲ እቲ ዩኒቨርሲቲ ከም ዝተነገሮም ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ። እቶም ተምሃሮ ብወገኖም
መሳርሒ ፖለቲካኹም ኣይትግበሩና ብምባል ኣብ ምቅዋም ከም ዝርክቡ ተፈሊጡ፣
እቶም ተማሃሮ
በቲ ኣብ ልዕሊኦም ተፈፂሙ ዘሎ ተግባር ሞራሎም ከየዉደቑ ነቶም ቅድሚ ሕዚ ደጋጊሞም ከልዕልዎም ዝፀንሑን ሕዚ‘ዉን ዘይተፈትሑን
ምምሕዳር እቲ ዩኒቨርሲቲ ዝፈጠሮም ሽግራት ዝበልዎም። ስእነት ፅሩይ ማይ፤ ፅሬቱ ዘይሓለወ ምግቢ፤ ምቁርራፅ መብራህትን ካልኦትን
ንህይወት ተማሃራይ እቲ ዩኒቨርሲቲ ክመሳቐል ገይርዎ ከም ዘሎ ብቐፃሊ ኣብ ምሕታት ስለ ዝርከቡ። በዚ ድማ እቶም ተማሃሮ ምስ ዶክተር
ዛይድን ምስ ካልኦት ሓለፍቲ እቲ ዩኒቨርሲቲ ኣብ ሓያል ወጥሪ ከም ዘለዉ ተሓቢሩ፣