ካብቲ ከባቢ ዝበፀሓና ሓበሬታ ከም ዘመልክቶ፣
ኣብ ክልል ኣምሓራ ዙርያ ባህርዳር ፍሉይ ሽሙ ዳንግላ ኣብ ዝተብሃለ ከባቢ ዝነብር ህዝብና ኣብ መፃኢ ግንቦት ንዝካየድ ምስሉይ
መረፃ ኣመልኪቱ በቲ ስርዓት ዝውሃብ ጎስጓስ ንምክፋል ክወፁ። ብ13 መጋቢት 2007 ዓ/ም ዝቐረበሎም መፀዋዕታ ከም ዝተቓወምዎ ድሕሪ ምግላፅ።
በዚ ተቓዉሞ ህዝቢ ዝሰግኡ ሰበ ስልጣን እቲ ስርዓት ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ዜጋታት ናይ ምእሳርን ምፍርራሕን ስጉምቲ ይወስዱ
ምህላዎም ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣
እቲ ሓበሬታ ወሲኹ። ካብ’ቶም ነቲ ምስሉይ ዝኾነ መረፃ ኣመልኪቱ ዝካየድ
ኣኼባ ኣይንሳተፍን ክብሉ ብምቅዋሞም ብካድረታት እቲ ስርዓት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ተዳጒኖም ካብ ዝሳቐዩ ዘለዉ ዜጋታትና ብዙሓት ኮይኖም።
ብፍላይ እቶም ሽዱሽተ መለዓዓልቲ ብዝብል ፀለመ ብምእሳሮም። ህዝቢ ድማ ብዘይ ኣግባብ ዝተኣስሩ ወገናት ይፈትሑ ብምባል
ናይ ተቓውሞ ሰለማዊ ሰልፊ ኣብ ምክያድ እኳ እንተሃለወ ፖላዊስ እቲ ከባቢ ኣብ ልዕልኦም ከቢድ ግፍዒ ይፍፅሙ ምህላዉ ተፈሊጡ፣