ከም
ሓበሬታ ምንጭታትና ኣብ ወረዳ የኪ ዝነብሩ ደገፍቲ ተቓወምቲ ዉድባት ዝኾኑ ሰብ ሃፍቲ ብዕሱባት ፀረ ህዝቢ ስርዓት ደህዴን/ኢህወዴግ
ኣብ ልዕሊኦም ግፍዒ ይፍፀም ከም ዘሎ ድሕሪ ምግላፅ። ንኣይተ ብዙኣየሁ ተገኝ ዝተብሃለ በዓል ዋና “ትዕግስቲ ሆቴል” ዝኾነ ወገን።
ብ18 መጋቢት 2007 ዓ/ም ስዓት 4።00 ናይ ምሸት ኣብ በሪ ገዝኡ
ጠጠው ኢሉ እዳሃለወ ዕሱባት እቲ ስርዓት ብኻራ ወጊኦምዎ ከም ዘምለጡ ተፈሊጡ፣
እዚ
ከምዚ ኢሉ እንተሎ ንማሙሻ ቢያርግልኝ ዝተብሃለ ኣባል መድረኽ ዝኾነ ወገን እዉን ኣፀናትዮም ብምክትታል ብእምኒን በትርን ቀጥቂጦምዎ
እንትሃድሙ። መምህር ሉቋስ ወንድሙ ንዝተብሃለ ኣብ ቤት ትምህርቲ “ጠመንጃ ያዥ” ዝምህር ኣባል ውድብ “ምንስቓስ ህዝብታት ቤንች” ኣብዚ ቅንያት ብዛዕባ ዉድቡ ንህዝቢ
ጎስጓስ ኣብ ዘካይደሉ ዝነበረ ግዜ ብዕጡቛት ተታሒዙ እንትእሰር ኣብ ልዕሊ ካልኦት ድማ ሰፊሕ ናይ ምፍርራሕ ዘመተ ይካየድ ከም
ዘሎ ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣
እዚ
ከምዚ ዓይነት ምስ መረፃ ተተሓሒዙ ኣብ ልዕሊ ኣባላትን ደገፍትን ተቓወምቲ ዉድባት። ናይ ምፍርራሕን ምቕታልን ወፍሪ ብሃገር ደረጃ
ካብ ግዜ ናብ ግዜ ተጠናኺሩ ይቕፅል ምህላዉ ምንጭታትና ዝላኣኽዎ ሓበሬታ የመልክት፣