Saturday, April 4, 2015

ኣብ ዞባ ኣዊ ዝርከቡ ኣባላት ተቓወምቲ ዉድብ ብገዛኢ ሰርዓት ኢህወዴግ ይእሰሩን ይሳቐዩን ምህላዎም ካብ’ቲ ከባቢ ዝበፀሓና ሓበሬታ ገሊፁ፣



ብመሰረት ካብቲ ከባቢ ዝበፀሓና ሓበሬታ። ኣብቲ ዞባ ዝርከቡ ኣብ ሓደ ሓደ ወረዳታት ዝንቀሳቐሱ ኣባላት ድህንነትን ዕጡቛት ሓይልን ዝኾነ ዓይነት ገበን ንዘይፈፀሙ ንፁሃት ዜጋታት ብናይ ሓሶት መፀለምታ ዓፊኖም ብምጥፋእ ይቐትልዎምን የሳቕዩሞምን ከም ዘለዉ ድሕሪ ምግላፅ። ኣብ ወረዳ ጃዊ ቀዝቀዝ ካብ ዝተብሃለ ቀበሌ ክልተ ንግዚኡ ሽሞም ዘይተፈለጡ ዜጋታትና ተዓፊኖም ከም ዝተወስዱ ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣
ብተወሳኺ ኣብ ወረዳ ኣንከሻ ኣይተ ዘርይሁን ባንቲሁን ዝተብሃለ ኣባል መኢኣድ ኣብዚ ወርሒ መጋቢት ብሰንኪ ዝወረዶ ከቢድ መግረፍቲ ኣብ ጥዕና ጣብያ ኣየሁ ክሕከም ፀኒሑ ከም ዝወፀ ዝሰምዑ ኣባላት ፖሊስ። እንደገና ናይ ኣይተ ዘርይሁን ህይወት ንምጥፋእ ብ19 መጋቢት 2007 ዓ.ም ሃብታሙ ካሳሁን ዝተብሃለ ምልሻ ብዝሃቦም ሓበሬታ። 5 ፖላዊስ ኣብ ቀበሌ ኣየሁ ሕርሻ ልምዓት ቁሸት ገመዳ ስላሴ ንዕኡ ንምሓዝ ኣብ ምክትታል ከም ዝነበሩ ምንጭታት ኣረዲኦም፣
ካብዚ ቀበሌ እንተይወፃእና ተለኣኣኽቲ እቲ ስርዓት ዝኾኑ ኣባላት ፖሊስን ሚልሻታትን ብሓባር ብምዃን ናይ ዘርይሁን ባንቲሁን ፍርቂ ሄክታር በርበረ “ቱ ፎር ዲ” ዝተብሃለ ፀረ ፃህያይ ዝነፍሕሉ እንትኾኑ። እኒ ጌታቸዉ ኣስረሳ፤ ኣልጋነህ ተጫነ፤ ዘመኑ ኣስማረን ኣሰፋ ገዳሙን ዝተብሃሉ መናእሰይ ናሃቱ ሰዓብቱን ኣባላቱን ብምዃኖም ጥራሕ ዝተዓደሎም መሬት ተሓዲጎም ካብ ዝተወለዱሉ ከባቢ ክለቁ ትእዛዝ ከም ዝተዋሃቦም ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣