Saturday, April 4, 2015

ኣብ ውሽጢ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተፈላለዩ ክፍለ ከተማታት ዝርከቡ ካርድ መምረፂ ዘይወሰዱ ሰራሕተኛ መንግስቲ። ካብ ቤት ፅሕፈቶም ክእገዱ ከም ዝኽእሉን መፈራርሒ ይበፅሖም ከም ዘሎን ምንጭታትና ሓቢሮም፣



      ከም ሓበሬታ ምንጭታትና። ኣብ ከተማ ኣዲስ  ኣበባ  ኣብ ዝርከቡ ከተማታትን ወረዳታትን ካርድ መምረፂ ዘይወስዱ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ናይ ምፍላይ ስራሕ ክካየድ ምቕናዩ ድሕሪ ምግላፅ። ብፍላይ ኣብ ኣዲስ ከተማ ክፍለ ከተማ ወረዳ 8ኣብ ኣብያተ ፅሕፈት ከተማ ልምዓትን ጥዕና ትካላትን ውሽጢ ኣብ ልዕሊ ዝርከቡ ካርድ መምረፂ ዘይወሰዱ ሰብሞያን  ሰራሕተኛታትን ብናይቲ ወረዳ ጉዳይ ዉድብ ሓላፊ ሳሙኤል ዝተብሃለ ግልፂ ዝኾነ ምፍርራሕ ከም ዝበፅሖም ተገሊፁ፣
  ከምኡውን ካርድ መምረፂ ዘይወሰዱ ናይ ወረዳ 8 ጥዕና ትካላትን ቤት ፅሕፈት ከተማ ልምዓትን ሰራሕተኛታትን ሰብ ሞያን ብወገኖም ንሓምሻይ ጊዜ ዝካየድ መረፃ ትርጉም የብሉን ብምባል ከም ዘይሳተፉ ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣