Saturday, April 11, 2015

ኣብ ክልል ህዝብታት ደቡብ ዝረከቡ መምህራን ደገፍቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ስርዓት ኣይኮንኩምን ብዝብል። ብዓይኒ ጥርጣረ ይርኣዩን ካብ ፍቓዶም ወፃኢ ደመወዞም ይቕነስን ከም ዘሎ ተፈሊጡ፣



ብመሰረት ሓበሬታ ምንጭታትና። ኣብ ክልል ህዝብታት ደቡብ ዞባ ቤንች ማጂ፤ ወረዳ ሰሜን ቤንች ጣቢያ ዋቻ ማጂ ዝርከቡ መምህራን። ምስ ኣባላት ተቓወምቲ ውድባት ትኸዱ ኣለኹም ብዝብል። ብሓለፍቶም ክትትል ይግበረሎምን ናይ ኣባልነት ዉድብ ደህዴን/ኢህአደግ ኣይከፈልኩምን እናተብሃለ ወርሓዊ መሃይኦም ይቑረፅ ከም ዘሎን ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣
ወሲኹ እቲ ሓበሬታ ከም ዘረድኦ። ካብ’ቶም መምህራን ሓደ ማትዮስ ጋታሳብ ንዝተብሃለ ብ21 መጋቢት 2007 ዓ.ም ናይ ሓሶት ክስታት ብምምስራት ንሰለስተ ወርሒ ዝኣክል ካብ ደመወዙ 10 ሚኢታዊ ተቀኒሱ ናብቲ ዉድብ ክኣቱ ብርእሰ መምህር ናይቲ ቤት ትምህርቲ ዝተወሰነሉ እንትኾን። እቲ መምህር ግን ከም ዘይተቐበሎን ክሳብ ኣዲስ ኣበባ ከይዱ ናብ ሚኒስተር ትምህርቲ ክጠርዕ ኣብ ምድላዉ ከም ዝርከብ ተፈሊጡ፣