ኣብ
ክልል ኣምሓራ ዞባ ሰሜን ወሎ ኣብ ከተማ ላሊበላን ከባቢኣን ካብ ዝነብር ሕብረተሰብ ኣብ ልዕሊ ገዛኢ ጉጅለ ኢህወዴግ ዘለዎ ፅልኣት
ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናገደደ ምምፅኡ ድሕሪ ምግላፅ። ተኣመንቲ ተባሂሎም ብረት ዓጢቖም ከገልግሉ ዝፀንሑ ነባራት ኣባላት። ደቆምን
ቤተሰቦምን ኣባላት ተቓወምቲ ዉድባት ኮይኖም ኣንፃር ኣብ ስልጣን ዘሎ ስርዓት ምንቅስቓስ ብምክያዶም ዝሓዝዎ ዕጥቆም ብኣመሓደርቲ
ይምንጠሉ ምህላዎም ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ንምጭታትና ገሊፆም፣
እዚ
ከምዚ ኢሉ እንከሎ ተፈራ ማሙ ዝተብሃለ ዉልቀ ሰብ ወድኻ ምስ ተቓዋሚ ዉድብ ቅንጅት ኣባል ኮይኑ ይሰርሕ ስለ ዘሎ ዝሓዝካዮ ዕጥቂ
መንግስቲ ኣረክብ ክብሉ ካድረታት ወያነ ምስ ኣሕደግዎ። ሰዩም ማሙ ዝብሃለ ሓዉ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት ኣብ ዝተገብረ ኣኼባ
ንስኻትኩም ካብ ብቐደሙ ንህዝቢ ክትጠቕሙ ኣይመፃኹምን ክብል ብምዝራቡ። ኣብ ከተማ ላሊበላ ቀበሌ 02 ኣብ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ
ተዳጒኑ ይሳቐ ከም ዘሎ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ኣፍሊጡ፣